ኣባላት ሽማግለ ምምሕዳር ካንቶን ሻፍሃውሰንን፡ኣባላት ቤት ምኽሪ ከተማ ሻፍሃውሰንን ንፖለቲካ ጽኑዕ ምውህሃድ ዝምልከቱ 2003 መምርሕታት ኣውጺኦም ኣለዉ።
እተን መምርሒታት ምእታው ሰፋሮ ናብ ስራሕን፡ማሕበረ ሰባውን፡ባህላውን፡ ቋንቋውን ፖለቲካውን ዕለተ ተግባራት ከመይ ጌርካ ክመሓየሽ ከም ዝኽእል የመልክታ።
ስለዚውን ካንቶንን ከተማን ሻፍሃውሰን ኣብ ምሕያል ተኽእሎታት ምውህሃድን ናይ ሓባር ናብራን ኣብ ዞባ ሻፍሃውሰንን ልዑል ኣበርክቶኦም እናርኣዩ ተጸሚዶም ይዓይዩ።
ኢንተግረስ ኣብ ሻፍሃውሰን ናይ ምውህሃድ ኣሃዱ ምምሕዳር እዩ። ኣብዚ ውልቀ ሰባት ይኹኑ ሰበ ስልጣናት ወይ ከኣ ትካላት ንፍልሰትን ውህደትን ዝምልከት ተገዳስነት ዘለዎም ኩሎም ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ይረኽቡ።
ናይ ወጻእተኛታትን ምውህሃድን ሕጊ (Das Ausländer- und Integrationsgesetz (AIG)) ንመዐቀኒታት ምውህሃድ
ገሊጹ ካብኡ ብምብጋስ ንወጻእተኛታት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብዘይ ስግጥ ምግጥ ናብ ምሕጋዝ ይሳገር። ምስኡ ኣተሓሒዙ ንርእሰ ሓላፍነታዊ ምውህሃድ ናይ ተሳተፍቲ የተባብዕ። እቲ ሓቂ ናይ ወጻኢ ዜግነት ዘለዎም ሰባት ብመጠን ዝረኽብዎ መሰላት ምውህሃዶም እናጸባቐ ከም ዝኸይድ ምዃኑ እዩ። እዚ ኸኣ ብፍላይ ክእለት ቋንቋ ምስ ደረጃ መሰል መቐመጢ ጥቡቕ ተዛማድነት ዘለዎ ከም ዝኾነ እዩ።
ዝስዕባ መዐቀኒታት ምውህሃድ ኣብ AIG ዝተመዝገባ እየን፡:
• ቋንቋ ምኽኣል
• ህዝባዊ ድሕነትን ስዓታትን ምኽባር
• ንፌደራዊ ቅዋምን ክብርታቱን ምሕላው
• ኣብ ምጣነ ሃብታዊ ህይወትን ምምሃርን ምንጣፍ
እዘን መዐቀኒታት ምውህሃድ እንተ ዘይተማልኣ ናይ መቐመጢ ፍቓድ (Aufenthaltsbewilligung) ከይናዋሕ ወይውን ክንጸግ ይኽእል Niederlassungsbewilligung ክንጸግ ወይውን ደረጃ ናይ Aufenthaltsbewilligung ንታሕቲ ክወርድ ይኽእል። ከም ኡውን ቤተ ሰብ ኣስዒብካ ናይ ምእታው ምልክታ ክኽልከል ወይ‘ውን ምልክታ ምርካብ ዜግነት ክንጸግ ይኽእል።
ኣብ ስዊዘርላንድ ብዙሓት ቋንቋታት ይዝረቡ። ተዘራሪብካ ምርድዳእ ናይ ምውህሃድ ቀንዲ መፍትሕ እዩ። ተዘራሪብካ ምርድዳ፣ ንኻልኦት ከተረድእን ካልኦት ንዓኻ ከረድኡኻን ምኽኣል ማለት እዩ። ናይ ሓባር ቋንቋ ምህላው ነዚ መሰረቱ እዩ። ኣብ ካንቶን ሻፍሃውሰን ጀርመንኛ ይዝረብ። ወግዓዊ ቋንቋና ስነ ጽሑፋዊ ጀርመንኛ ኢዩ። ኣብ ዕለታዊ ርክባት ከኣ ልሃጃ ስዊዘርላንድ ይዝውተር። ጀርምርንኛ ምርዳእን ምዝራብን ኣብ ዕለታዊ ናብራን ኣብ ሞያዊ ዓለምን ናይ ምርድዳእ ቅድመ ኩነት እዩ። ናይ ሓባር ቋንቋ ሓቢርካ ንምንባር ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ።
ኣብ ዞባ ሻፍሃውሰን ሓያሎ ቀረብ ትምህርቲ ቋንቋ ኣሎ።
እቲ ናይ ቀረብ መኣዲ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ፡ ኣብ ጎኒ እቲ ዝውቱር ትምህርቲ ቋንቋ ጀርመንኛ፡ ነዴታት ምስ መብረ ምሓዝ ቆልዑ፡ ንበጽሕታት ምስ ዕድላት ሞያዊ ስልጠና ዝተተሓሓዘ፣፡ወይ ከኣ ንህጻናትን ካልኦት ጉጅለታትን። ኢንተግረስ ምስ ኩነትኩም ዝሰማማዕ ቀረብ ኣብ ምርካብ ብምኽሪ ይድግፈኩም።
ብመሰረት ዓንቀጽ 4 ናይ ፌደራላዊ ሕጊ፣ ምንዋሕ ናይ መቐመጢ ፍቓድ ናይ ወጻእተኛታት ከም ቅድመ ኩነት ምስ ንጥፈት ኣብ ናይ ቋንቋን ምውህሃድን ትምህርቲ ተተሓሒዙ ክርኣይ ይኽእል።. እዚ ቅድመ ኩነት‘ዚ ምስ ናይ ኣባላት ቤተ ሰብ ኣስዒብካ ናይ ምእታው ምርካብ ፍቓድ ተተሓሒዙ ክርኣይ‘ውን ይኽእል እዩ።
ኣብ ስዊዘርላንድ ምርካብ ዝተፈላለዩ ናይ መንበሪ መሰላት ምስ ደረጃ ክእለት ቋንቋ ዝተኣሳሰሩ እዮም። ዋላውን ንስልጠናታትን መመላእታ ስልጠናታትን ሞያውያን ስራሓት ኣድለይቲ ክእለታት ቋንቋ ክሕተቱ ይኽእሉ እዮም።
እዚ ከኣ ብናይ ቋንቋ ምስክር ወረቐታት ክረጋገጽ ይግባእ። ብዛዕባ‘ዚ መግለጺ ኣብ ናይ ኢንተግረስ (Integres) መርበብ ኢንተርነት ይርከብ።
ንሓደ ዕዉት ጥምረታዊ ስራሕ ቅድመ ኩነቱ ናይ ምርድዳእ ዝርርብ እዩ። ውሽጠ ባህላዊ ትሕዝቶ ምትርጓም ከኣ ካብ ንቓል ብቓል ተኪእካ ምትርጓም ንላዕሊ እዩ።
ንመበቆላዊ፡ባህላዊ፡ሚዛን ክብርታትን፡ ውልቃዊ ኣረኣእያን ሰጊርካ ምርድዳእ ምኽኣል እዩ። በዚ ዝተረኽበ ርጉጽነት ናይ ኩሎም ተኻፈልቲ ናይ ምውሳእ ዕድል የስፍሕን፡ ኣብ ሓባራዊ ፍታሕ ዘብጽሕ መገዲ ኣብ ምድላይን ምርካብን ዝግበር ጻዕሪ የቃልልን።
ኣሃዱ ምምሕዳር ደርማን (Derman) ምስ ኣገልግሎታት፡ ምትርጓም፣ ናይ ተሌፎን ምትርጓም፣ መሰነይታን የራኽብ። እቲ ምርኻባት ከኣ ብውሕሉል ሞያውነት ይካይድ።
እቲ ኣሃዱ ምምሕዳር ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ኣብ ሰዓታት ስራሕ ክፉት እዩ። ብኢመይል ብምጽሕሓፍ ወይ ኣብ ኢንተርነት ቀጥዒታት ብምምላእ ምርኻብ‘ውን ይከኣል። ኣብ ወጻኢ ናይ ስራሕ ሰዓታት
ምስ ናይ ተሌፎን ኣገልግሎት ምትርጓም Asylorganisation Zürich (aoz) ብምርኻብ ናይ 365 መዓልታት ኣብ ዓመት ለይትን መዓልትን ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ናይ ልዕሊ 50 ቋንቋታት ኣገግሎት ይወሃብ።
ብዛዕባ ካንቶን ሻፍሃውሰን ሓያሎ ሓበሬታ ካብ ኢንተርነትን መራከቢታት ብዙሓንን ምርካብ ይከራል። ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ትነብሩሉ ቦታ ዝወጽእ ጋዜጣታት ብዛዕባ ህይወት ናይቲ ዞባ ይሕብረኩም። ኣብኡ ምልክታታት ስራሕን፡ ዝካረይ ኣባይትን መደብ ፍጻመታትን፣ ጠቓሚ ኣድራሻታትን ይርከብ።
ሓበሬታ ብዛዕባ ኣገደስቲ ፍጻመታት ናይቲ ዞባ ኣብ መርበብ ናይ ካንቶን ሻፍሃውሰን ኮማቱን ይርከብ።