ብኽራይ ይኹን ብመሸጣ፣ ቤት ኣብ ምርካብ እዘን ዝስዕባ ነጥብታት ኣገደስቲ እየን።
• ኣብ ናይ ዘሎኹሙሉ ቦታ ዝወጽአ ምልክታታት ምርኣይ
• ናጻ ብዛዕባ ናይ ዝኸውን ኣባይቲ ካብ ፈለጥትኹም ሓበሬታ ምርካብ
• ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ምምሕዳር ሓገዝ ምሕታት
ብፍላይ ብዛዕባ ኣባይቲ ክራይ ዝለዓለ ኣገልግሎት ዝህባ ናይ መርበብ ኣብ ፍሉይ ነገራት ዘተኮራ መርበባት ኢንተርነት ምውካስ
ብዛዕባ መንበሪ ቤት ዝግደስ ናይ መመልከቲ ቅጺ ክመልእ ይግብኦ። ኣብቲ ቅጺ ንኣብነት ብዛዕባ ዕድመ፡ ምርዕው ዘይምርዕው ብዛዕባ ምዃን፡ ሞያ፡ ቆልዑ፡ ኩነት ናይ መቐመጢ ፍቓድ፡ ወሃብ ስራሕ፡ ደሞዝ፡ እንስሳ ዘቤት መግለጺ ክህብ ይድለይ። ተኻራዪ ዋጋ ኽራይ ክኸፍል ከም ዝኽእል ዘረጋግጽ ሰነድ ካብቲ Betreibungsregister ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ጽሕፈት ናይ ዕዳ ኣገዲዱ ናይ ምኽፋል ስልጣን ዘለዎ ኣካል ናይ መዝገብ ቅዳሕ ምቕራብ እውን የድልይ። እዚ ሰነድ እዚ ካብ Betreibungsregister ሻፍሃውሰን ወይ ካብ ካልእ ሓታቲ ቤት ክራይ ዝነብረሉ ዝነበረ ካንቶን ምርካብ ይከኣል። ገለ ካብ ቀንዲ ትሕዝቶታት ውዕል ክራይ፤ ሓፈሻዊ ኩነታትን፡ ስርዓት ቤትን እዮም። ተኻረይቲ ኣብ ቤት ቅድሚ ምእታዎም ተቐሚጡ ጸኒሑ ነቲ ቤት ክገድፍዎ ከለዉ ዝምለሶም ትሕጃ ክኸፍሉ ይድለይ።
ከም ኣማራጺ ተኻራዪ ኣብ ክንዲ ትሕጃ ናይ ዓመት ኣስተዋጽኦ መድሕን (Jahresprämie) ክኸፍል ዘፍቅዱ ኣካረይቲ‘ውን ኣለዉ።
ስለዚ ከኣ እቲ ገንዘብ ትሕጃ ኮይኑ ኣይእሰርን።
ክራይ ከም ስሩዕ ኣብ ፈለማ መዓልቲ ወርሒ ይኽፈል። ኣብ ርእሲ ክራይ ተወሳኺ ከም ዋጋ ሃልኪ ሙቐትን፡ ውዑይ ማይን ዝኽፈል እውን ኣሎ። ኣብ ውዑል ክራይ ተወሰኽቲ ዕዳታት እንተ ዘይተጠቕሱ ኣብ ምውዕዓል ክራይ ብዛዕባ ዝርዝር ወጻኢታት ተወከሱ።
ንኣገልግሎት ናይ ተሌፎን፣ ኢንተርነትን ናይ ኢንተርነት ተሌቪዢንን ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ኣገልግሎት ኣለዉ። በየነይ ኣገልግሎት ምጥቃም ከም ዝከኣል ካብ ትነብሩሉ ዞባ ወይ ቦታ ዝውሰን እዩ። ዋጋታቶምን ኣገልግሎታቶምን ዝተፈላለየ ስለዝኾነ ግን ምንጽጻር የድልይ። ናይ ሳተላይት ሽሓኒ ክጥቀም ዝደልይ ኣቐዲሙ ምስ ኣካራዪ ክዘራረብ ወይ ከኣ ንጎረባብቱ ክውከስ የድልይ። ኣብ ከም ናይ ከተማ ሻፍሃውሰን ቤት ንባብ ዝኣመሰሉ ቦታታት ህዝባውያን መራኸቢታት ኢንተርነት ይርከቡ።
ናይ ኤለትሪክ መርበብ 230 ቮልት እዩ። ናይ ኤለትሪክ መጣቐሚታት መራኸቢ መሰማምዒ፡ (Adapter) ኣብ ዕዳጋ ይርከቡ።
ናይ ኣቑሑ ቤት ብጌጋኹም ናይ ዝፍጸም ዕንወት ዝትክእ ናይ መድሕን ውዕል ክትገብሩ ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ። ኣብ ገለ ኣባይቲ ከምዚ ዝበለ ውዕል ቅድመ ኩነት ምኽታም ውዕል ክራይ ኢዩ። ኢዚ መድሕንዚ ንኣብነት ናይ መሕጸብ ኣካላት ጋብላ መሊኡ እንተ ፈሰሰ ወይውን መሕጸብ ኣቑሑ እንተ ነቕዔ ክስዕብ ንዝኽእል ጉድኣትን ዕዳን ክሽፍን ይኽእል።
ብዙሓት ቤተ ሰባት ኣብ ዝነብሩሉ ቤት ምቕማጥ ምእንቲ ክከኣል ሓድሕዳዊ ምክብባር የድልይ። ነዚ ዘኽእሉ ቀንዲ ነጥቢታት ኣብ ስርዓት ቤት ተዘርዚሮም ይርከቡ።
እዋን ዕረፍቲ
ናይ ለይቲ ዕረፍቲ ካብ ሰዓት ዓሰርተ ናይ ለይቲ ክሳዕ ሰዓት ሸውዓተ ናይ ንግሆ እዩ። ዋላውን ኣብ ቀዳመ ሰንበት ዝህውክ ድምጺ ኣይፍቀድን።
በመሰረቱ ቴለቪንን ካልኦት መጣቐሚ ሙዚቃን ድምጾም ካብቲ ዘለዉዎ ቦታ ሓሊፉ ክስማዕ ኣይግባእን። በዓል ዘብዕል እንተ ደኣ ሃልዩ ኸኣ ንጎረባብቱ ኣቐዲሙ ክሕብር ይጥለብ።
ናይ ሓባር ክፍሊታት
መእተዊ፡መደያይቦ፡ ናይ ሕጽቦ ክፍሊታት፡ ናይ መሳርሒ ክፍሊታት ንኹሎም ተኻረይቲ ብሓባር ይብጽሕዎም። እዚ ናይ ሓባር ቦታ ናይ ውልቂ ኣቕሑ ከይቅመጦን ብጽርየት ክተሓዝን ይግባእ። ኣብ ብዙሓት ኣባይቲ ነቲ ናይ ሕጽቦ ኽፍሊታት በብታራ እዮም ዝጥቀሙሉ። መብዛሕትኡ ኣብ መደያይቦን ሊፍትን ምስታይ ሽጋራ ውጉድ እዩ።
ጸገማት እንተ ኣጋጠመ
ገለ ነገር እንተ ተሰብረ ሓበሬታ ናብ ኣለይቲ ቤት ወይ ከኣ ናብ ዋና ቤት ኣመሓላልፉ።
ኣብ መብዛሕትኡ ኣባይቲ ኣለይቲ ቤት ናይ ጉዳያት ድሕነትን ጽገናን ኣባይቲ ተጸዋዕቲ እዮም። ቀለልቲ ጽገናታት ወይ ምጽራያት ተኻራዪ ባዕሉ ሓላፍነት ይወስደሎም። ንኣብነት ምቕያር መንፊት መምጸዪ ሃፋ፡ መቑሎ እቶን፡ ወይ ከኣ ሻምብቆ መሕጸቢ እንተ ተበላሸወ ተኻራዪ ይትክኦ።
ምስ ጎረባብቲ መፍትሒ ዘይርከቦ ቖዬቛ እንተ ተላዕለ ምስ ኣለይቲ ቤት ወይ ከኣ ምስ ምምሕዳር ቤት ምዝርራብ የድልይ። በዚ እንተ ዘይተፈትሐ ኸኣ ንመተዓረቕቲ ጉዳያት ክራይ ኣባይቲ ወይ ከኣ ማሕበር ተኻረይቲ ምውካስ ይከኣል።
ንወጻእተኛታት ኣብ ቤት ዝስርሖ መሬት፡ ወይ ስሩሕ ቤት ኣብ ምዕዳግ ድራተታት ይግበረሎም ኢዩ።
ንገዛእ ርእሶም ዝጥቀሙሉ ቤት ኣብ ምዕዳግ ፍቃድ ኣየድልዮምን።
ቤት ዝስርሖ መሬት፡ ወይ ስሩሕ በት ኣብ ምዕዳግ መምርሒታት ካብ ናይ ካንቶን መምዝገብ ርስቲ፡ (Grundbuchamt) ወይ ከኣ ትካል መራኸቢ መሸጣ ዝስራሕ መሬት ክርከብ ይከኣል። ካብ ማሕበር ወነንቲ መንበሪ ኣባይቲ ወይ ከኣ (Verband Casafair) ሕጋዊ ምኽሪ ብዛዕባ ዋንነት ቤትን ከባብያዊ ድሕነትን ኣብ ዘለዎ ቤት ምስፋርን ሓበሬታ ምርካብ ይከኣል።
ቴለፎንን ኢንተርነትን
ስዊዘርላንድ ድልዱል ናይ ቴለፎን መስመር ኣለዋ። መራኸቢታት ተሌፎንን ኢንተርነትን ኣብ ኩሉ ቦታታት ውሑስ እዩ። ኣገልግሎት ተለፎንን ኢንተርነትን ንምርካብ ናብ ወሃብ ኣገልግኦት ከተመልክቱ የድልየኩም።
ራድዮን ተለቪንን
ኣገልግሎት ራድዮን ተለቪዥንን ዋጋ ይኽፈሎ ኢዩ። ነዚ ክፍሊት እዚ Serafe ይቕበሎ።
ብመሰረቱ ኩሎም ተቐማጦ ስዊዘርላንድ ተጠቀምቲ ናይ ንዋት መራኸቢ ብዙሓን ይኹኑ ኣይኹኑ ብዘየገድስ ኣስተዋጽኦ ክኸፍሉ ግዱዳት እዮም።
እሩም ኣገባብ ምጉሓፍ ብምጥቃም ኣብ ከባብያዊ ሓለዋ ጽቡቅ ኣበርክቶ ትፍጽሙ። ኮምኩም ብዛዕባ እሩም ኣገባብ ምጉሓፍን መአከብ ጉሓፍን መዓልቲታት ጉሓፍን ካልእን ክሕብረኩም ይኽእል። ዋጋ ምጉሓፍ ብድምር መሰረታዊ ክፍሊትን ዓቕናዊ ክፍሊትን ዝኽፈል ኣገልግሎት ጉሓፍ ይሽፈን። ጠቓሚ ንጥረ ነገራት ዘለዎ ጉሓፍ ብቐጥታ ኣብ መአከቢ ጉሓፍ ከተረክቡ ትኽእሉ።
ጉሓፍ ገዛ
ምእካብ ጉሓፍ ገዛ ኣብ ሓያሎ ኮማት ናይዛ ካንቶን ዋጋ ይኽፈሎዩ። ናይ ክፍሊት ክሻ ወይ ዝልጠፍ ናይ ክፍሊት መፈለጥታ
ካብ ምምሕዳር ኮማት፡ ፖስታን ካልኦት ድኳናትን ምርካብ ይከኣል።
ሓምላይ ጎዱፍ
ኣብ ዝተፈላአያ ኮማት ተረፋት መግቢ፡ ኣቑጽልትን፡ ካልእን ካብ ጉሓፍ ገዛ ተፈልዩ ብዘይ ክፍሊት ይእከብ።
ጥርሙዝ፡ታኒካ፡ ጎማ፣ PET ኣሉሚንዩምን ዘይቲ መግብን
ጥርሙዝ፡ታኒካ፡ ጎማ፣ PET ኣሉሚንዩምን ዘይቲ ብልዕን አብ ኮንተይነር ዘለዎም መእከቢታትን፡ ድኳናትን ከተረክብዎም ትኽእሉ።
ደቂቕ መግለጺ ብዛዕባ ምርካብ ክልኩል ኬሚካል፡ ጨርቅን ካልእን አብ ሰነዳት ናይ ኮምኩም ክትረኽቡ ትኽእሉ።
ወረቐትን ካርቶንን
ኣረገውቲ ወረቓቕትን ካርቶናትን ኣብ ፍሉይ እዋናት ይእከቡ፣ ወይ ከኣ ኣብ ንዕኦም ተባሂሉ ዝተመልከተ ቦታ ክርከብ ይከኣል። ናይ ምእካብ ቆጸራታት ወይ ካብ ሰነዳት ኮማት ወይ ከኣ ካብ ዕለታውያን መሐበሪ ጽሑፋት ክትረኽቡ ትኽእሉ።
ባተሪታት
ኣብ ስዊዘርላንድ ንገለ ባተሪታትን፡ ዝምልኡ ባተሪታትን፡ ናይ ማኪና ባተሪታትን ዓደግቲ ድሕሪ ምህላኾም ናብ ዝሸጡሎም ነጋዶ ናይ ምምላስ ግዴታን፡ ሸያጦ ኸኣ ገንዘብ ከየኽፈሉ ናይ ምቕባል ሓላፍነት ዘሰክምን ሕጊ ኣሎ።
ናይ ኤለትሪክ መሳርሒታት
ኩለን ብኤለትሪክ ዝሰርሓ መጣቐሚታት ምስ ተወሳኺ ኣቑሑተን
ድሕሪ ምእራገን ናብ ተማሳሳሊ ኣቑሑ ዝሸጡ ነጋዶ ምምላስ ይከኣል። ዓይነት ኣቕሓን ሓለገቱን ብዘየገድስ፡ መላሲ ዋላውን ሓድሽ ኣቕሓ ኣይዓድግ፡ ነጋዳይ ንዝኣረጉ ኣቑሑ ብዘይ ገለ ክፍሊት ክቕበሎ ግዴታ ኣለዎ።
ሓበሬታ ብዛዕባ ጉሓፍ ናብ ኣከብቲ ምርካብን፡ ምፍልላይ ጉሓፍን ኣብ ትነብሩሉ ኮም ክትረኽቡ ትኽእሉ