ቢቺክሌታ ኣብ ስዊዘርላንድ ፍትውቲ ናይ ጉዕዞ መሳለጢት እያ። ተጎዓዝቲ ድሕነቶም ተረጊጹ ምእንቲ ክንቀሳቐሱ መገዲ ቢቺክሌታ ብጽሑፍን ምልክትን ብጽቡቕ ዝተነጸረ እዩ።
ተጠቀምቲ ኣብ ካልኦት ንዝወርድ ጉድኣት ዝኽሕስ መድሕን ክኣትው ንላበው።
ዋላውን እቶም ኣብ መገዲ ብእግሮም ዝንቀሳቐሱ ድሕነቶም ክርገጽ ይግባእ። ንናይ ኤለትሪክ ቢቺክለታ (E-Bike) ተወሳኺ መምርሒታት ኣሎ።
ዋላውን ውሕስነት ናይ ተጎዓዝቲ እግሪ ብዝከኣል መጠን ክሕለው ይግባእ። ተጎዓዝቲ እግሪ ኣብ ጸሊምን ጻዕዳን ሕንጻጻት፡ ምልክት ዜብራ ዘለዎ ቦታታት ኩሉ ቀዳምነት ኣለዎም። እዚውን ናብ ቤት ትምህርቶም ንዝመላለሱ ህጻናት ርእሶም ክኽእሉን ምስ ካልኦት ሰባት ናይ ምርኻብን ዕድልን ክረኽቡን የብቅዖም።
ስለዚ እውን ናይ ፖሊስ ትራፊክ ሻፍሃውሰን ንቆልዑ መዋእለ ህጻናትን ንኣሽቱ ተመሃሮን ኣብ ጽርግያ ከመይ ኢሎም ክጎዓዙ ከም ዝግብኦም ይምህርዎም።
ኣብ ስዊዘርላንድ ዋላ ምስ ንኣሽቱ ቁሸታት ከይተረፈ ዘራኽብ ድልዱልን ውሑስን መርበብ ህዝባዊ ኣገልግሎት መጉዓዝያ ይርከብ።
ናይ ባቡርን ኣውቶቡስን ዝነቕላሉን ዝበጽሓሉን መደባት ግዜ ንሓሕዱ ዝሰናነይ እዩ። ንነዊሕ ጉዕዞ ናብ ስራሕን ቤት ትምህርትን ንምምልላስ ብዙሓት ተጎዓዝቲ ከም ዝምስክሩሉ ጉዕዞ ባቡር ዝጠዓመ እዩ። ንህዝባዊ ኣገልግሎት መጉዓዝያ ክትጥቀሙሉ ዘኽእለኩም ዝተፈላልየ ቀረባትን ጠለባትን ኣሎ። ብፍላይ ፍቱው እቲ ንህዝባዊ ኣገልግሎት መጉዓዝያ ብፍርቂ ዋጋ ከጥቅም ዘኽእል ''ሃልብታክስ - ኣቦ'' ዝበሃል ቀረብ ኣሎ። ትሕቲ 6 ዓመት ዝኾኑ ህጻናት ብናጻ ዓበይቲ ቆልዑ
ክሳዕ 16 ዓመት ድማ ብ ብመሰነይታ ወለዶም ብናይ ዩንዮር ካርተ (Juniorkarte) ወይ ከኣ ብ Kinder-Mitfahrkarte ምስ ካልእ ዓቢ ሰብ ከይከፈሉ ክጎዓዙ ይኽእሉ። ኣብ ገለ ኮማት ኣብ ምሉእ ስዊዘርላንድ ክትዛወሩሉ ዘኽእለኩም ሕሱር ቲከት ክትዕድጉ ትኽእሉ።
ዞባዊ ኣገልግሎት መጉዓዝያ ሻፍሃውሰን
ኣብ ሻፍሃውሰን ካብ ገጠር ንኸተማ ወይ ከኣ ካብ ከተማ ንገጠር ክጎዓዝ ዝደልይ ኣብ ዝደለዮ ቀልጢፉ ይበጽሕ።ኣገልግሎት ባቡርን ኣውቶቡስን ኣብ ኩለን ኮማት ይርከብ። ብመስመር ማይ ክጎዓዝ ንዝደሊ እውን ኣብ ራይን ቅሩባት መራኽብ ኣለዋ። ዞባ ሻፍሃውሰን ምስ OSTWIND ተባሂሉ ዝስመይ ጥርኑፍ ውዑላዊ ኣገልግሎት ጉዕዞ ኣሎ ዝተኣሳሰረ እዩ። እዚ ናይ ውዕል ጥርናፈ ንተጎዓዝቲ ኣብዚ ዞባ'ዚ ብሓንቲ ቲኬት ዝተፈላለያ መስመራት ጉዕዞ ኣብ ውሽጢ ዝተፈቕደ ግዜ ምጥቃም የኽእሎም። ስለዚ ኸኣ ገንዘብ ንዝተኽፍለሉ ራሕቂ ካብ ባቡር ወሪድካ ናብ ኣውቶቡስ ምቕያር እንተ ደኣ ተደልዩ ሓድሽ ቲኬት ምዕዳግ ኣየድልዮን።
ናይ ወጻኢ ናይ ማኪና ፍቓድ መዘወሪ ናብ ስዊዘርላንድ ካብ ዝተኣትውኩሙሉ ዕለት ጀሚሩ ንሓደ ዓመት የገልግል። ኣብ ውሽጢ እዚ ሓጹር ግዜ እዚ ኣብ ናይ ካንቶን ቤት ጽሕፈት ጉዕዞ ምድርን ባሕርን ብምምልካት ናይ ስዊዘርላንድ ፍቓድ መዘወሪ ክሕተት ይከኣል። ብዛዕባ ስርዓት ኣጠቓቕማ ጽርግያን ኣዘዋውራን ተወከሱ።
ቪኘተ ወይ ከኣ ክፍሊት ርግጫ ናይ ምኽፋል ግዴታ
ተጠቀምቲ ሃይወይ ናይ ርግጫ ዋጋ ክኸፍሉ ይግደዱ። ወረቐት ርግጫ ቪኘተ ካብ ኣኽፈልቲ ቀረጽ፣ ፖስታ፡ ዓደልቲ በንዚን፡ ጋራጅን ትካላት TCS ወይ ከኣ ካንቶናዊ ቤት ጽሕፈት ኣገልግት ጽርግያ ክዕደግ ይከኣል።
ናይ ሞቶር መጉዓዝቲ መድሕን
ንኹለን ብሞቶር ዝንቀሳቐሳ መጉዓዝያታት ከም ማኪና፡ ቱግቱግን ናይ ሞቶር ቢቺክሌታን ናይ ኤለትሪክ ቢቺክለታን (E-Bike) መራኽብን ናይ መድሕን ውዕል ምእታው ግደታ እዩ።
ኣብ ርእሲ ናይ ሞቶር መጉዓዝቲ መድሕን፡ ተወሳኺ ውዕላት ምምላእ ይከኣል እዩ።
ናይ ሞቶር መጉዓዝቲ ካብ ወጻኢ ናብ ስዊዘርላንድ ብዛዕባ ምጥላብ
ናብ ስዊዘርላን እንተ ኣተውኩም ካብ ወጻኢ እውን ማኪና እንተ ጠለብኩም ብቅልጡፍ ናብ ናይ ስዊዘርልንድ ሰበ ስልጣን ስግር ዶባዊ ኣቕረጽቲ ዞል ኣመልክቱ። ናብ ስዊዘርላንድ ዝኣትዋ መካይን ክፍሊት መድሕነን እናተኸፍለለን ታርጋ ከይተቐየረለን ን12 ኣዋርሕ ኣብ ኣገልግሎት ክጸንሓ ይኽእላ እየን።
ኣብ ስዊዘርላንድ ንልዕሊ ዓመት መቐመጢ ቤት ዝሓዘ ግና ማኪንኡ ከመዝግባ ብሕጊ ይግደድ። ኩለን ናይ ሞቶር መጉዓዝትን ተሰሓብተንን ቅድሚ ኣብ ስዊዘርላንድ ንጥቕሚ ምውዓል ፍቓድ ምርካበን ይምርመራ። ብዛዕባ ናይ ምፍቃድ ቅድመ ኩነታትን ኣድለይቲ ሰነደታን ከይደንጎኹም ምስ ናይ ስዊዘርላንድ ሰብ መዚ ኣገልሎት ጉዕዞ ጽርግያ ብምዝርራብ ዘድልይ ሓበሬታ ርኸቡ።
ዓለምለኻዊ መዕረፍ ነፈርቲ Zürich-Kloten ቀረባ ኢዩ። ንምብጽሑ ብማኪና ሓደ ሰዓት ብናብኡ ትኽ ኣቢላ ዘብጽሕ ናይ ባቡር መራኸቢ ከኣ ኣርብዓ ደቓይቕ ይውድእ።
ዝኾነት ምጣነ ሃብታዊ ኣገዳስነት ዘለዋ ዓባይ ከተማ ዕለተ ዕለት ካብ Zürich ተበጊስካ ምብጻሕ ይከኣል። እቲ መዕረፍ ነፈርቲ ንገዛእ ርእሱ ምስ መስመራት ህዝባዊ ኣገልግሎት ጉዕዞ ዝተጣበቐ እዩ። ዋላውን ኣብ ቀንዲ መዓርፎ ባቡራት ሻፍሃውሰን ናብ ነፋሪት ዝጸዓን ኣቑሑት ምርካብ ይከኣል ኢዩ። ኣብኡ ድማ ናይ መሳፈሪ ወረቐትኩም ቦርድ ካርድ ክትረኽቡ ትኽእሉ።
ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ምጋሽ የወናውን እዩ። ቅድሚ ዶብ ምስጋር ግና ዝግባእ ሰነዳት ምሓዝ ከም ዘድልይ ዘክሩ። ብዛዕባ ቀረጽ ስግር ዶብ ካብ ቤት ጽሕፈት መቕረጽቲ ስግር ዶብ ናይ ስዊዘርላንድ Zollamt ክትረኽቡ ትኽእሉ።