ስራሕ ምርካብ ብሕጊ ዝተሰርዐን ኣብ ኩነት ፍቓድ መንበሪ ዝተመርኮሰን ኢዩ። ስራሕ ንምርካብ ምትእስሳር ዝተፈላለዩ ናይ ምድላይ ሜላታት የድልዮ።
• ኣብ ጋዜጣ ንዝወጸ ቀረባት ኣንቢብካ ምውካስ።
• ምጥቃም ናይ ማእከላይ መድረኽ (Zentrale Plattform)
• ኣብ ኢንተርነት ብዝወጸ ቀረባት ቦታ ስራሕ ምንዳይ።
• ብርእሰ ተበግሶ ናብ ትካላት ወፍሪ ምልክታ ምቕራብ
• ምስ መጋጠምቲ ስራሕ ምርኻብ።
• ምስ ትፈልጦም ሰባት ምዝርራብ
• ኣብ ጋዜጣታት ንዝወጹ ናጻ ናይ ስራሕ ቦታታ መግለጺታት ርኢኻ ምልክታ ምቕራብ
• ኣብ ዞባዊ ማእከል ምግጣም ኣስራሕን ሰራሕተኛን (RAV) ምምልካት
ኣብ ስዊዘርላንድ ስራሕ ኣብ ምምልካት ጽሑፋዊ ተሪኽ ህይወትን ናይ ተበግሶ ጽሑፋዊ መመልከትን የድልዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን
ናይ ስራሕ ምስክራትን፡ መረጋገጺታትን፣ ናይ ስልጠና ምስክር ወረቓቕትን፣ ዲፕሎማታትን ነቲ ማህደር ምልክታ ከሰንይዎ ይግባእ። መብዛሕትኡ ግዜ ምልክታታት ብመልክዕ ኢንተርነት ክቐርቡ ይግባእ። ብዛዕባ ማህደር መመልክቲ ብጽቡቕ ኣገባብ ምድላው ዘድልይ ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ምርካብ ይከኣል።
ዝተፈላለዩ ናይ ወጻኢ ምስክራት ትምህርትን ሞያታትን ኣብ ስዊዘርላንድ ተፈላጥነት ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። ከክም ትምህርትኹም ኣብዚ ዝስዕብ ቦታታት ኣመልክቱ።
ኣብ ስዊዘርላንድ ምሉእ ደሞዝ ክብ ዝበለ እዩ። ናይ መነባብሮ ወጻኢታት እውን ከምኡ ክብ ዝበለ እዩ። ንኹሉ ጨንፈራት ስራሓት ዘማእክል ዝተሓተ ደሞዝ የለን። ገለ ጨንፈራት ግና ኣጠቓላሊ ናይ ስራሕ ውዕል ዝተሓተ ደሞዝ ኣለወን። ካብ ደሞዝ ንመድሕን እርጋንን ወረስትን (AHV), ናይ ስንክልና መድሕን፡ (IV) ።
ናይ ሽቕለት ኣልቦነት መድሕን (ALV)፣ ናይ ሓደጋ መድሕን (UV) ይሕረጥ።
ኣብ ካንቶን ሻፍሃውሰን ሰራሕትን ወሃብቲ ስራሕን ንማሕበራዊ ረዲኤት እውን ክፍሊት ይፍጽሙ እዮም። ካብ ዓመታዊ እትዋት 20‘000 ፍራንክ. ጀሚሩ ኸኣ ተወሳኺ ኣስተዋጽኦ ንሞያዊ ቅድመ ሓልዮት (ነቲ ካልኣይ ዓንዲ ዝበሃል) ከም መመላእታ ናይ AHV ተሓሪጡ ይውሰድ። ብድምር ከም ግዴታውያን ማሕበረ ።ሰባዊ መድሕን ተባሂሎም ዳርጋ 15% -20% ካብ ቀንዲ ደሞዝ ይሕረጡ።
ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብር‘ሞ ካብ ስርሑ ዝተሰናበተ፡ ቅድመ ኩነት ኣማሊኡ እንተ ደኣ ኮይኑ ዕለታዊ ገንዘብ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ መድሕን ክፍሊት ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ። ርጉጽ ናይ መቐመጢ ፍቓድ ዘለዎን፡ እንተ ወሓደ ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ን 12 ኣዋርሕ ቅድሚ ምምልካቱ ኣብ ስራሕ ምውፋርን ቀንዲ ናይ መፍቀዲ ቅድመ ኩነት እየን። እንተ ደኣ ካብ ስራሕ ትሳናበቱ ኣለኹም ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍኩም ኣብቲ መጠንቀቕታ ስንብት ዝተዋህበኩም ሓጹር ቆጸራ ኣብ ትነብሩሉ ቤት ጽሕፈት ዞባዊ ማእከል መጋጠምቲ ኣስራሕን ሰራሕተኛን (RAV) ኣመልክቱ። ኣብኡ ብዛዕባ ክትገብርዎ ዝግብኣኩም ስጉምቲታት ክትሕበሩ ኢኹም።
ስዊዘርላንድ ብጽቡቕ ናይ ስራሕ ኩነታታ ትፍለጥ። እዚ ግን ከከም ሞያን ጨንፈርን ዝፈላለይ እዩ። ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ስራሕ መረዳእታ ንምርካብ እኹል ግዜ ወሲድኩም ተወከሱ። ኣብ ናይ ስራሕ ውዕል፡ ዓይነት ስራሕ፡ ሰዓታት ስራሕ፡ ናይ ፈተነ ግዜ፡ ናይ መሰናበቲ ቆጸራ፣ ዕረፍቲ፡ ደሞዝ፡ ናይ ሞያ ግዴታዊ መድሕንን ኣውሓሲ ትካል መጠወርን ይግለጽ። ኣብ ገለ ጨንፈራት
ምሉእ ውዕል ስራሕ (GAV). (GAV). አብ መንጎ ወሃብ ስራሕን ወይ ወሃብቲ ስራሕን ወይ ማሕበር ወሃብቲ ስራሕን ማሕበር ሰራሕተኛታትን ዝግበር ናይ ጽሑፍ ውዕል እዩ። ብዛዕባ አብ መንጐ ወሃብቲ ስራሕን ሰራሕተኛታትን ዘሎ ስምምዓት ዝምድናታትቶምን ምሉእ ውዕል ስራሕን (GAV). ኸአ ይገልጽ።
ሰራሕተኛታት አብ እዋን ሕማም፡መጉዳእቲ ሓደጋ፡ ጥንሲ፡ ምሕብሓብ ናጽላ ህጻን ካብ ስራሕ ተሰጒጎም ከይሰናበቱ ብሕጊ ክልኩል ኢዩ። አብ ከምዚ ዝተጠቕሰ ኩነታት ዝግበር ምስንባት ብሕጊ ውዱቕ እዩ። ብኻልእ ምኽንያት ስንብታ እንተተገብረ ግና ሰራሕተኛ ተመሊሱ ኣብቲ ትካል ክሰርሕ ኣይኽእልን። ካሕሳ ክረክብ ግን ጉዳዩ ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርብ ይኽእል።
ዋላውን ሓድሓደ እዋን አብ ዕዮ ጽርየት፡ምሓዝ ቆልዓ ወይ ውን ክንክን አታኽልቲ ሰሪሑ ገንዘብ ዘእትው ሰብ ከም በዓል እቶት ሰራሕተኛ እዩ ዝሕሰብ። አብ ከምዚ ዝበለ ዕዮ ዝዋፈር ወጻእተኛ ናይ ስራሕ ፍቓድ ክህልዎ፡ ግቡእ ማሕበረሰባዊ ክፍሊት ዝኸፍልን ክኸውን ይግብኦ። እንተ ዘይኮነ ዘይሕጋዊ ስራሕ ይሰርሕ አሎ ማለት እዩ። አብ ዘይሕጋዊ ስራሕ ዝተዋፈሩ እንተ ሰንከሉ መድሕናት ሓደጋን ክፍሊት ሽቕለት አልቦነትን አይህልዎምን። ሳዕቤናቱ መሪር ክኸውን ይኽእል እዩ። ዝድለ ምልክታ ኣቕሪብካ ምስራሕ ንረብሓ ሰርሕተኛታት እዩ።