ማሕበረሰባዊ ድሕነት

ቅድመ ሓልዮት አብ ስዊዘርላንድ

ድልዱል መርበብ ናይ ማሕበረሰባዊ መድሕንን ማሕበረሰባዊ ረዲኤትን

አብ ስዊዘርላንድ ንዝነብሩን ንዝሰርሑን ሰባትን ቤተ ሰቦምን ካብቲ ሕማምን፡ ሓደጋን፡ ሽቕለት አልቦነትን፡ ስንክልናን ካልእ መሰናኽላትን ከስዕብዎ ዝኽእሉ ክቱር ስእነትን ድኽነትን የድሕኑ። እቲ ዕላማ ድኽነት አብ ስዊዘርላንድ ንኸይህልው ምክልኻል እዩ። ማሕበረሰባዊ ድሕነት ሓደ ካብቲ ቀንዲ እምነ መኣዝናትን መፈለጥታን ስነ መንግስቲ ስዊዘርላንድ እዩ። አብ ቀዳማይ መስርዕ ከአ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓላፍነት ባዕልኻ ምውሳድን ስራሕን ይርከብዎ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ማሕበረ ሰባዊ ድሕነት አብ ናይ 3- ዓንድታት መምርሕን (ግራፍ ተመልከት) ኣብ ማሕበረ ሰባዊ ረዲኤትን ዝተመስረተ እዩ። ንሃለዋትኩም ዘድልይ ሓገዝ ወይ ንስኹም ወይ ከአ ቤተ ሰብኩም ብምኽንያት ስንክልና፡ ስእነት ስራሕ፡ ወይ ከአ ሞት ገንዘባዊ ጸገማት እንተ አጋጠመኩም ሓገዝ ይወሃበኩም እዩ። ስለዚ እውን ገንዘባዊ ጸገማት እንተ ኣጋጠመኩም ደገፍ ክትሓቱ ትኽእሉ።

ሓበሬታ ካብ ቤት ጽሕፈት ተቐማጦ ኮም ወይ ከኣ በት ጽሕፈት ማሕበረሰባዊ ድሕነት ሻፍሃውሰን ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ቅድመ ሓልዮት ኣብ ስዊዘርላንድ

1ይ ዓንዲ

2ይ ዓንዲ

3ይ ዓንዲ

መንግስታዊ ቅድመ ሓልዮት

ሞያዊ ቅድመ ሓልዮት

ውልቃዊ ቅድመ ሓልዮት

ርእስኻ ምኽኣል

ዝተለምደ ኣነባብራ ምቕጻል

ውልቃዊ መመላእታ

AHV

ናይ እርጋንን ብድሕሬኻ ዝተርፉ ኣባላት ቤተ ሰብን መድሕን

IV

ናይ ስንክልና መድሕን

EL

ናይ መመላእታ መድሕን

EO

ስርዓት መተካእታ እትዋት

BVG

ግደታዊ ሞያዊ ቅድመ ሓልዮት

Säule 2b

ልዕለ ግደታዊ ሞያዊ ቅድመ ሓልዮት

Säule 3a

ጥሙር ቅድመ ሓልዮት

Säule 3b

ናጻ ድልየታዊ ቅድመ ሓልዮት

ናይ እርጋንን፡ ሞትን፡ ስንክልናን ቅድመ ሓልዮት ኣብ ሰለስተ ዓምድታት ይምስረት።

1ይ ዓንዲ፡ AHV/IV/EO መሰረታዊ መድሕን እዩ።ኩሎም ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብሩን ዝሰርሑን ከኣ ብግዴታ ይኣትዉዎ።

2ይ ዓንዲ፡ ኣብ ሞያዊ ቅድመ ሓልዮት (ሳጹን ምጥዋር) ካብ ሓደ ውሱን ዓቐን እትዋት ጀሚሩ፡ ንኹሎም ሰራሕተኛታት ግዴታዊ መድሕን እዩ።

3ይ ዓንዲ፡ውልቃዊ ቅድመ ሓልዮት፡ ናጻን ድልየታውን ኢዩ። ካብ ጁባኻ ኸኣ እዩ ዝኽፈል።

AHV/IV

ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ማሕበረ ሰባዊ መድሕን

ናይ እርጋንን ብድሕሬኻ ዝተርፉ ኣባላት ቤተ ሰብን መድሕን AHV እዩ።

ብመሰረቱ ኩሎም ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ዘግነት ስዊዘርላንድ ይሃልዎም ዜጋ ካልኦት ሃገራት ይኹኑ እትዋት ይሃልዎም ኣይሃልዎም መድሕን AHV ክህልዎም ግዱዳት እዮም። ብዛዕባ ስሩዕ ዕድመ ናይ ጥሮታ ካብ ቤት ጽሕፈት ማሕበረ ሰባዊ መድሕን ሻፍሃውሰን ሓበሬታ ክርከብ ይከኣል፣ ቅድሚ ዝተጠቕሰ ዕድመ እውን ጡረታ ምእታው ይከኣል እዩ ኣስተዋጽኦ ክፍሊት መድሕን ስንክልና (IV) ምስ ምስ ኣስተዋጽኦ (AHV ) ካብ ደሞዝ ተቖሪጹ ብሓንሳብ ይኽፈል። ስንክልና እንተ ኣጋጠመ፡ ኣውሓሲ ንጉዱእ ኣብ ዝበቕዖ ስራሕ ኣብ ምርካብ ወይ ኣብ ጡረታ ምርካብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ እጃሙ የበርክት። ስራሕ እንተ ዘይብልኩም ወይ ከኣ ናይ ገዛእ ርእስኹም ስራሕ እንተ ደኣ ኣሎኩም ክፍሊት ኣስተዎጽኦ ባዕልኹም ብቐጥታ ናብ Ausgleichskasse ክትፍጽሙ ትኽእሉ።

መዕበይ ቆልዓ
ቆልዓ ድሕሪ ምውላደን ኣዴታት እንተ ወሓደ ናይ 14 ሰሙናት መሰል ዕረፍቲ ኣለወን። ኣብዚ ወቕቲ እዚ እንተ ወሓደ 80% ካብ ደሞዘን ናይ ምርካብ መሰል ኣለወን። እዚ መሰል እዚ ንምርካብ ቅድሚ ሕርሰን እንተ ወሓደ ንትሽዓተ ኣዋርሕ ኣባል መድሕን ዝነበራን ካብኡ ድማ ንሓምሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዕዮ ዝተዋፈራን ክኾና ይጥለብ።

ናይ ኣቦታት ዕረፍቲ
ናብ ስራሕ ዝተዋፈሩ ኣቦታት፣ ኣብተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምላድ ቆልዕኦም ክልተ ሰሙናት ናይ ምዕራፍ መሰል ኣለዎም። ( እንተ በዝሐ ናይ 14 መዓልታት ደሞዝ)

ሞያዊ ቅድመ ሓልዮ (BV/ Pensionskasse) ኣውሓስ ጡረታ
ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ስራሕ ዝተዋፈሩ ሰባት፡ካብ ገለ ዓቐን ዓመታዊ እትዋት ጀሚሮም ተኻፈልቲ ኣስተዋጽኦ ናይ ወሃብ ስርሖም ትካል ቅድመ ሓልዮት ክኾኑ ይግባእ። ክፍሊቶም ካብ 7% ክሳብ 18% ካብ ዓመታዊ እትዋቶም ይኸውን። እንተ ወሓደ ፍርቂ ናይዚ ቅድመ ክፍሊት ብወሃብ ስርሖም ይሽፈን። እዚ ሕጊ‘ዚ ንባዕላቶም ዝመሓደሩ ሰብ እትዋት ኣይምልከትን

ቤተ ሰባዊ ድጎማ
ኣብ ስዊዘርላንድ ሰራሕተኛታትን፡ ርእሶም ዝኸኣሉ ሰብ እትዋትን፣ ኣብ ስራሕ ዘይተዋፈሩን ቤተሰባዊ ድጎማ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ቆልዑ ተጓዲሉ ክፍቀድ ይከኣል። ናይ ህጻናት ድጎማ ካብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ዝተወልዱላ ወርሒ ክሳዕ ናይ 16 ዓመት ዕድመ ዝመልኡ ይፍቀድ። ኣብ ትምህርቲ ንዝርክርቡ መንእሰያት ክሳዕ ትምህርቶም ዝውድኡ፡ እንተ ደንጎየ ከኣ ክሳዕ ደቂ 25 ዓመት ዝኾኑ ይፍቀደሎም።

ማሕበረሰባዊ ደገፍ

እጃም ማሕበረ ሰባዊ ደገፍ ንሰባት ካብ ንዋታውን ውልቀ ሰባውን ጸገማት ምልቓቕ፣ ምቅላል ወይ ምልዓል እዩ። መሰል ማሕበረሰባዊ ደገፍ
ዝህልወኩም ኣብ ውልቀ ሰባዊ ጸበባ ትርከቡ እንተ ደኣ ኰንኩም፣ ዘድልየኩም ትዕድጉሉ ወይ ንቤተ ሰብኩም ተናብሩሉ እኹል ገንዘብ እንተ ደኣ ዘይብልኩም እዩ። ማሕበረሰባዊ ደገፍ ትረኽቡ ካልእ ሓገዛት ዘይትረኽቡ ወይ ከኣ ትርኽብዎ ዘይኣኽለኩም እንተ ኾነ እዩ። ዕላማ ናይ ማሕበረሰባዊ ደገፍ ቀልጢፍኩም ርእስኹም ከም ትኽእሉ ንምብቃዕ እዩ።
ማሕበረሰባዊ ደገፍ ካብ መንግስቲ ዝወሃብ ደገፍ ደኣምበር መድሕን ኣይኮነን።
ኣብ ካንቶን ሻፍሃውሰን ኣብ ኣወሳስና ማሕበረሰባዊ ደገፍ
ሓላፍነት ዘለዎም ካንቶንን ኮማትን እዮም። ብዛዕባ ሕቶታት ንጽል ጉዳያት ንቤት ጽሕፈት ናይ ትነብሩሉ ኮም ተወከሱ።