ቀረጽ

ግዴታ ምኽፋል ቀረጽ

ኣብ ስዊዠርላንድ ህዝባዊ ኣገልግሎት፡ ትሕተ ቅርጺ፡ መጉዓዝያ፡ ትምህርቲ፡ ፖሊስን ምክልኻልን፡ ጥዕናን፡ ማሕበረሰባዊ ድሕነትን ካልእን ብዝዓበየ እጃም ብእትዋት ቀረጽ ውልቀ ሰባትን ትካላትን ተወሳኺ ቀረጻትን ይሽፈኑ። በዚ ከኣ ኩላቶም ማሕበረኣዊ ህይወት ብጽቡቕ ንክሰርሕ ኣበርክቶኦም ይፍጽሙ። ውልቀ ሰባት ናይ እትዋትን ርእሰ ማልን ቀረጽ ይኸፍሉ።

ኣከፋፍላ ቀረጽ

ንመጸብጸቢ ናይ ክኽፈል ዝግብኦ ናይ እትዋትን ርእሰ ማልን ቀረጽ ዜጋታትን ናይ መቐመጢ ፍቓድ C ዘለዎም ተቐማጦ ስዊዘርላንድን ኣብ ዐዓመት ቅጺ ቀረጽ ክመልኡ ይግደዱ። ቅጺታት ቀረጽ ኣብ ምጅማር ዓመት ይልኣኹልኩም። ናይ ግብሪ መግለጺ ቅጺ ንምምላእ ዘኽእል ገንዘብ ዘይክፈሎ ናይ ቀረጽ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም (Steuersoftware) እውን ኣሎ። ዝተምልአ ቅጺ ብኮምፕዩተር (eFiling)) ወይ ከኣ ብፖስታ ክለኣኽ ይከኣል።

ቀረጽ ክኸፍሉ ዝግብኦም ተቐመጥቲ ስዊዘላንድ ደቂ ወጻኢ ሰራሕተኛታት፣ ወይ Niederlassungsbewilligung C ዘይብሎም ወይ ከኣ ምስ ናይ ስዊዘርላንድ መሰል ዜግነት ዘለዎ/ዋ ወይ Niederlassungsbewilligung C ዘለዎ/ ዋ ዘይተመርዓዉ እንተ ኾኑ፣ ቀረጾም ብቐጥታ ካብ ደሞዞም ይቑረጽ። (Quellensteuer) እዚ ንናይ ሓደ ዓመት ፍቓድ መቐመጢ ዘለዎም (Jahresaufenthaltsbewilligung B) ሓተትቲ ዑቕባ ፣ ወይ ናይ ሰሙን ተቐማጦ ወጻእተኛታት ይምልከት።

ናይ Quellensteuer). ከፋሊ ሓደ ካብቶ ጸኒሖም ግቡእ ናይ ቀረጽ መግለጺ ክህቡ ዝግብኦም እንተ ደኣ ኮይኑ (ንኣብነት እትዋቱ እንተ ወሓደ CHF 120'000 እንተ ደኣ ኮይኑ፣ ግቡእ ቀጥዒ መግለጺ ቀረጽ ይመልእ።)

ሕቶ እንተ ደኣ ኣለኩም ንናይ ኮም ምምሕዳር ቀረጽ፣ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ምኽሪ፣ ወይ ከኣ ንትኣምንዎ ተወከሱ።