መርዓ ፡ ቤተ ሰብ፡ ቆልዑ

መርዓ

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝምርዓው ሰብ ናይ 18 ዓመት ዕድመ ዝመልአ ክኸውን ይግብኦ። መርዓ ከም ኪዳን፣ ሕጋዊ ተፈላጥነት ዝህልዎ ብበርጌሳዊ ኣገባብ ኣብ ናይ ህዝቢ ምዝገባ ምምሕዳር ከተማ እንተ ተፈጸመ ጥራሕ እዩ። ኣብ ኮም ሻፍሃውሰን በርጌሳዊ ናይ ህዝቢ ምዝገባ ምምሕዳር ከተማ ተጸዋዒ ጉዳያት መርዓ፡ ምሃብ ኣፍልጦ ልደትን ሞትን እዩ። እዚ ቤት ጽሕፈት እዚ ብዛዕባ ቅድመ ኩነት ምእሳር ቃል ኪዳንን ዘድልዩ ሰነዳትን ይሕብረኩም።ኣብ ስዊዘርላንድ ሓደ ዝጾትኦም‘ውን ክመረዓዉ ይኽእሉ።

ጽምዶ

ኣብ ስዊዘርላንድ ብዝተፈላለዩ መልክዓት ሓቢርካ ምንባር ይከኣል፣ ብሕጊ እወን ፍቑድ እዩ። ብዙሓት መጻምድቲ ከይተመርዓዉ ብዘይ ቃልኪዳን ሓቢሮም ይነብሩ፣ናይ ሓባር ቆልዑ ከኣ ይወልዱ።
እዞም ከምዚ ዝበሉ መጻምድቲ ናይ ዘይቃልኪዳናዊ ውዕል ክፍርሙ ተኽእሎ ኣለዎም። እዚ ኻኣ ብሕጋዊ ሰናዲ (Notar) ተረጋጊጹ ክምዝገብ ይከኣል። በዚ ኸኣ ንኣብነት ሓላፍነት ናይ ቆልዑን ( Sorgerecht) ቀለብ ቆልዑን፣ ኣየናይ ንብረት ናይ መን ምዃኑን፣ ወጻኢታት ናይ ገዛ ብኸመይ ከም ዝመቓቐልዎን ክውሰን ይከኣል።

ምፍልላይ

ሕቶ ፍትሕ ብኽልቲኦም ሰብ ኪዳን፣ወይ መጻምድቲ፣ ወይ ብሓደ በዓል ኪዳን ወይ መጻምድቲ ክቐርብ ይኽእል።ነዚ ዝውስን ናይቲ ከባቢ ናይ ቤተ ሰብ ቤት ፍርዲ እዩ። ዋላውን ኣብ ወጻኢ ዝተኣትወ ኪዳን ኣብ ስዊዘርላንድ ብሕጊ ስዊዘርላንድ ክፍታሕ ይኽእል እዩ። እዚ ንኽኸውን ናይ ተፋታሕቲ ማእከል ህይወት ኣብ ስዊዘርላንድ ክኸውን፣ እንተ ወሓደ ኸኣ ኣብ ስዊዘርላንድ ንሓደ ዓመት ዝተቐመጡ ክኾኑን ኣለዎም። . ብድሕሪ ፍትሖም እቶም ወጻእተኛታት ኣብ ስዊዘርላንድ ክነብሩ ምኽኣሎምን ዘይምኽኣሎምን ዝውሰን ብዙሓት ረቛሒታት ኣብ ግምት ብምእታው እዩ።. ብዛዕባ ፍትሕ ሓበሬታ ካብ ናይ ቤተ ሰብ ናይ ምምኻር ቤት ጽሕፈት ወይ ካብ ቤት ጽሕፈት ኣማኸርቲ ሕጊ ምርካብ ይከኣል።

መሰል ናጻ ምርጫ መጻምድቲ ሓዳር – ብጸቕጢ ዝፍጸም መርዓን ናይ ጸቕጢ ሓዳርን

ኣብ ስዊዘርልንድ መሰል ናጻ ምሕራይ መጻምድቲ ናብራ ኣሎ። ቤተ ሰባት ይኹኑ ካልኦት እምበኣር ብጸቅጢ ኣገዲዶም ከመርዕዉ ስልጣን የብሎምን። ከምዚ ዝበለ ጸቕጢ መሰረታዊ መሰል ወዲ ሰብን ፡ ፌደራላዊ ቅዋም ሕጊ ስዊዘርላንድን ስለ ዝግህስ ብሕጊ የቕጽዕ።
ኣብ ወጻኢ ይኹን ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዘየገስ፣ብምግዳድ ዝተኣትወ ኪዳን፣ብሰበ ስልጣን ዘይሕጋዊ ተባሂሉ ክንጸግ ይከኣል።

ዘቤታዊ ዓመጽ

ኣብ ስዊዘርላንድ ዘቤታዊ ዓመጽ ኣይፍቀድን። ብሕጊ ከኣ የቕጽዕ። ዘቤታዊ ዓመጽ ማለት ኣብ ቤተ ሰብ፣ ህልው ወይ ብፍትሕ ዝፈረሰ ናይ ምጽማድ ዝምድና ዝፍጸም ኣካላዊ፣ ስነ ኣእምራዊ ወይ ጾታዊ ዓመጽ እዩ። ግዱዓት ዘቤታዊ ዓመጽ ደገፍን ምኽርን ንዝወረደ ግብረ ዓመጽ ካብ ብስነ ኣእምሮ ምዕራይ ጀሚሩ ክሳብ ጉዳያት ሕጋዊ ስጉምትታት መረዳእታ ምሃብን ናይ ህጹጽ መጽለሊ ኣባይቲ ምርካብን ዝበጽሕ ሓገዝ ይግበረሎም። ፈጸምቲ ዓማጽን ዓመጽ ንኽፍጽሙ ቅሩባት ዝኾኑን፣ ዓመጽ ንምቁራጽ ወይውን ካብ ፈለምኡ ጠሪሶም ንኸይፍጽሙ ተኽእሎታት ንኸማዕብሉ ሓገዝ ይግበረሎም።