ምውላድ ቆልዓ ብዙሕ ለውጢታት የስዕብ። ኣብ ዞባ ሻፍሃውሰን ነዚ ለውጢታት እዚ ኣቕዲሞም ዘዳልውኹምን፣ ድሕሪ ምውላድ ኣስዒቦም ዘማኽርኹምን ዝተፈላለዩ ቀረባት ኣለዉ።
ዝኾነ ምውላድ ኣብ በርጌሳዊ ናይ ህዝቢ ምዝገባ ምምሕዳር ከተማ ሻፍሃውሰን ብምልክታ ክፍለጥ ይግባእ። እቲ ቆልዓ ኣብ ሕክምና እንተ ደኣ ተወሊዱ፡ እቲ ቤት ሕክምና ባዕሉ የመልክቶ እዩ። ኣብ ገዛ ንዝተወልዱ መሕረሲት ባዕላ ምልክታ ከተቕርብ ትግደድ።
መሕረሲት ካብ ጥንሲ ጀሚራ ክሳዕ ሕርስን ድሕሪኡን ሞያዊ ሓገዝ ትህብ።
ቆልዑ ምዕባይ ከቢድ ዕዮ እዩ፣ ወለዲ ኣብ ዕለታዊ ህይወቶም ፡ „ንውላዶም እቲ ዝበለጸ ነገር እንታይ ኮን እዩ?“ እናበሉ ንነብሶም ይሕትቱ። ኣብ ሓድሽ ከባቢ ምንባር ንቤተ ሰባት ተወሳኽቲ ብድሆታት ይኾንዎም። ኣብዚ ምስ ካልኦት ወለዲ ተራኺቦም ተመኩሮታት ምቅይያር ጠቓሚ እዩ። ነቶም ምስ ክልኦት ወለዲ ተመኩሮታት ክቀያየሩ ዝደልዩ ወይ ምስ ውላዶም ክነጥፉ ንዝደልዩ ወለዲ ዝኸውን ብዙሕ ቀረባት ኣሎ።
ገለ ካብቶም ቀረባት ብመደብ ደቂ ስዊዘርላንድን ወጻእተኛታትን ወለዲ ክራኸቡሎም ተባሂሎም ዝተዳለዉ እዮም። ብጀካ‘ዚ ገለ ናይ ምምኻር ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈታት ንወለዲ ብፍላይ ኣብ ሕቶታት መዕበያ፣ ምዕባለን ጥዕናን ዝሕግዙ እዮም።
ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብተን ናይ መጀመርታ ኣርባዕተ ዓመታት ዕድመ ህጻን፡ ብመሰረታዊ መድሕን ዝሽፈን ናይ ሓኪም ሸሞንተ ናይ ቅድመ ሓልዮ መርመራታት ንምዕባለ ህጻን ይፍጸም።
ብተወሳኺ ኣማኸርቲ ኣዴታትን ኣቦታትን እውን ምኽሪ ንምሃብን ብግብሪ ንምድጋፍን ቅሩባት ይኾኑ።
ብዛዕባ መዕበያን ምዕባለን ደቅኹምን ናይ በት ትምህርቲ ጸገማትን፡ ምስ ዝተፈላለዩ ምሳኹም ኮይኖም ፍትሓት ዘዳልዩኹም ኣማኸርቲ ክትዘራረቡ ትኽእሉ።
ኣብ ካንቶን ሻፍሃውሰን ንቤተ ሰባት ከም መመላእታን ደገፍን ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ቀረባት ይርከቡ።
እቲ ቀረባት ካብ ቤት ጽሕፈታት ኣገልግሎት ምኽሪ ጀሚሩ ክሳብ ኣገልግሎት መጽናሕቲ ህጻናት፣እግሪ ዘይተኸሉ ቆልዑን እኩባት ተጻወትትን መውዓልን መጻንሕን ህጻናትን ይበጽሕ። ነቲ ቀረባት ተጠቐሙሉ! ብእኡ ኣቢልኩም ንደቅኹም ምስ ካልኦት ቆልዑ ናይ ምርኻብ ቀዳማይ ዕድል ትህብዎም።ንዓኹም ከኣ ምስ ካልኦት ቤተ ሰባት ናይ ምልላይ ዕድል ይኾነኩም።
ከም ተኽእሎታት መመላእታ ምእላይ ቆልዑ፡ ኣብ ሻፍሃውሰን፡ ቀረባት መውዓል ቆልዑ፡ (KiTa)፣ ናይ ተመሃሮ መጻንሕን፡ መምስሕን (Schülerhorte) ይርከቡ። ከከም ጠለብ፡ ቆልዑ ኣብኡ ወይ ምሉእ መዓልቲ ወይ ከኣ ብሰዓታት ዝተወሰነ ናይ ምእላይ ኣገልግሎት ይረኽቡ። ገለ ካብቲ ቀረባት ገንዘብ ዝኽፈሎ ኢዩ። ኣብ ገለ ኮማት እቶም ትካላት ይድጎሙዎ እዮም። ካብ ኮምኩም ብዛዕባ ኣብ ከባቢኹም ዝርከቡ ቀረባትን ገንዘባዊ ሓገዛትን ሓበሬታ ምርካብ ይከኣል።
ህጻናት ብሓባር ተኣኪቦም ቅድሚ ኣብ መዋእለ ህጻናት ምእታዎም እናተጻወቱ ቋንቋን ማሕበረ ሰባዊ ብቕዓትን ይለማመዱ። እኩባት መጻውቲ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ካብ ክልተ ክሳዕ ኣርባዕተ ሰዓታት ይራኸቡ። ናይ ሻፍሃውሰን ኣሃዱ እኩባት መጻውቲ ዝተፈላለየ ዓይነት እዩ። ኣብ ዱር ወይ እንዳ ሓረስቶት ዝራኸቡ፡ ወይ ከኣ ንቋንቋዊ ልምምድ ዝያዳ ኣቓልቦ ዝህቡ ኣለዉ።
ናይ ኣደ ምስ ቆልዓ፡ ወይ ናይ ኣቦ ምስ ቆልዓ ወይ ከኣ ወለዲ ምስ ቆልዓ፣ ወለዲ ምስ ንኣሽቱ ደቆም 3-5 ዓመት ዝዕድሚኦም ዝካፈልዎ ናይ ስፖርት ምድላዋት እዩ። ረብሓታት ጥዕናን ተንቀሳቓስነትን ከም ጸወታ ኮይኖም ይርከቡ።
ብዙሓት ወለዲ ብዛዕባ ውላዶም ኣብ ሓድሽ ከባቢኡ ኣየናይ ቋንቋ ምምሃር ከም ዝሕሾ ንምፍላጥ ይሽገሩ። ሕጂ ብዝተበጽሐ መጽናዕታዊ ፍልጥት ወለዲ ምስ ደቆም በቲ ባዕሎም ዝመልክዎ ቀዳማይ ናይ ኣደ ቋንቁኦም እንተ ተዛረቡ ከም ዝሓይሽ ተፈሊጡ ኣሎ።ምስኡ ብምትሕሓዝ ቁንቋ ናይ ሓድሽ ከበቢኦም ኣብ ምጽናዕ ንደቆም ንክኽሕግዙ ንኣብነት ንደቆም ምስ ካልኦት ቆልዑ ብምሕዋስን ኣብ እኩባት መጻውቲ ብምምዝጋብን ክሕግዝዎም ይኽእሉ።
ካንቶን ሻፍሃውሰን ንድልየት መንእሰያት ከማልእ ይጽዕት። ሽማግለ መንእሰያት ንኮምን ማሕበራት መንእሰያትን የራኽብን ይድግፍን፡ ሓበሬታን ምኽርን እውን ይህብ።
ኣብ ከተማ ሻፍሃውሰን ተሓላቒ መንእሰያት ንመንእሰያት ምስ ማሕበረሰባዊ ጉዳያት ዝተተሓሓዘ ደገፉ ይህብ። ንመንእሰያት ተኽእሎታት ማሕበረሰበ ባህላዊ ምውህሃድን፡ ተሳትፎን ንምውሓስ ዝተፈላለየ ፕሮጀክትታት ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ከተማታት የዳልው።