ቤተ ሰብን፡ ቆልዑን

ናይ ቢተ ሰብ መደብን ምውላድ ቆልዓን

ምውላድ ቆልዓ ብዙሕ ለውጢታት የስዕብ። ኣብ ዞባ ሻፍሃውሰን ነዚ ለውጢታት እዚ ኣቕዲሞም ዘዳልውኹምን፣ ድሕሪ ምውላድ ኣስዒቦም ዘማኽርኹምን ዝተፈላለዩ ቀረባት ኣለዉ።
ዝኾነ ምውላድ ኣብ በርጌሳዊ ናይ ህዝቢ ምዝገባ ምምሕዳር ከተማ ሻፍሃውሰን ብምልክታ ክፍለጥ ይግባእ። እቲ ቆልዓ ኣብ ሕክምና እንተ ደኣ ተወሊዱ፡ እቲ ቤት ሕክምና ባዕሉ የመልክቶ እዩ። ኣብ ገዛ ንዝተወልዱ መሕረሲት ባዕላ ምልክታ ከተቕርብ ትግደድ።
መሕረሲት ካብ ጥንሲ ጀሚራ ክሳዕ ሕርስን ድሕሪኡን ሞያዊ ሓገዝ ትህብ።

ወለዲ ምዃን

ቆልዑ ምዕባይ ከቢድ ዕዮ እዩ፣ ወለዲ ኣብ ዕለታዊ ህይወቶም ፡ „ንውላዶም እቲ ዝበለጸ ነገር እንታይ ኮን እዩ?“ እናበሉ ንነብሶም ይሕትቱ። ኣብ ሓድሽ ከባቢ ምንባር ንቤተ ሰባት ተወሳኽቲ ብድሆታት ይኾንዎም። ኣብዚ ምስ ካልኦት ወለዲ ተራኺቦም ተመኩሮታት ምቅይያር ጠቓሚ እዩ። ነቶም ምስ ክልኦት ወለዲ ተመኩሮታት ክቀያየሩ ዝደልዩ ወይ ምስ ውላዶም ክነጥፉ ንዝደልዩ ወለዲ ዝኸውን ብዙሕ ቀረባት ኣሎ።

ገለ ካብቶም ቀረባት ብመደብ ደቂ ስዊዘርላንድን ወጻእተኛታትን ወለዲ ክራኸቡሎም ተባሂሎም ዝተዳለዉ እዮም። ብጀካ‘ዚ ገለ ናይ ምምኻር ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈታት ንወለዲ ብፍላይ ኣብ ሕቶታት መዕበያ፣ ምዕባለን ጥዕናን ዝሕግዙ እዮም።

መዕበያ፡ ትምህርቲ፡ ምዕባለ

ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብተን ናይ መጀመርታ ኣርባዕተ ዓመታት ዕድመ ህጻን፡ ብመሰረታዊ መድሕን ዝሽፈን ናይ ሓኪም ሸሞንተ ናይ ቅድመ ሓልዮ መርመራታት ንምዕባለ ህጻን ይፍጸም።

ብተወሳኺ ኣማኸርቲ ኣዴታትን ኣቦታትን እውን ምኽሪ ንምሃብን ብግብሪ ንምድጋፍን ቅሩባት ይኾኑ።

ብዛዕባ መዕበያን ምዕባለን ደቅኹምን ናይ በት ትምህርቲ ጸገማትን፡ ምስ ዝተፈላለዩ ምሳኹም ኮይኖም ፍትሓት ዘዳልዩኹም ኣማኸርቲ ክትዘራረቡ ትኽእሉ።

doktor.ch::
ናይ ህጻናት ቤት ሓካይም ኣብ ሻፍሃውሰን

Spitex Schaffhausen – ናይ ኣደን ኣቦን:
ናይ ምኽሪ ኣገልግሎ፣ ኣብ ሕቶታት:ጥዕና፣ ምዕባለ፣ መዕበያ ናይ ውላድኮም (0-5) ዓመታት)

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ሕክምና Heilpädagogik ከምኡ‘ውን Logopädie ኣብ ናይ ፈለማ ጀረጃ (Fachstelle für Heilpädagogik und Logopädie im Frühbereich) ሻፍሃውሰን:
መረዳእታ፣ምኽርን ፍወሳን ንጸገማት ምዕባለ ወይ ጉድለት ዘለዎም ህጻናት ካብ ምውላዶም ክሳዕ ምጅማር መዋዕለ ህጻናት።

Spitäler Schaffhausen – ናይ ህጻናትን መንእስያትን ናይ ስነ ኣእምራዊ ሕክምና ኣገልግሎትKinder - und Jugendpsychiatrischer Dienst KJPD):
ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ጉዳይ ስነ ኣእምራዊ ምዕባለ ህጻናትን፣ መንእሰያትን ቤተ ሰባቶምን Der KJPD ንወለድን ሰብ ሞያን መግለጺታትን፣ ፍወሳን ምኽርን ይህብ።

ናይ ኣገልግሎት ክፍሊ Teddybär:
ኣብ ሳፍሃውሰን ናይ ስነ ኣእምራዊ ኣገልግሎት ምክሪ ንወለድን ቆልዑን ኣብ ሕቶታት ምዕባለን መዕበያን።

ካንቶን ሻፍሃውሰን – ጉዳይ ትምህርቲ ምጽራይን ምምኻርን (Schulische Abklärung und Beratung SAB):
ምኽሪ ንመማህራንን ወለድን ብዛዕባ ናይ ምምሃርን ንጥፈትን ጸገማት ዘለዎም ቆልዑ፣ ብዛዕባ ፍሉይ ህያባት፣ምስ ካልኦት ዝምድና ናይ ምፍጣርን ናይ ተበጋስነት ጸገማት ወይ ጉድለታት ጠባይ ኣብ ማሕበረ ሰባዊ ርክባት ኣብ መዋዕለ ህጻናት ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ።

ካንቶን ሻፍሃውሰን - ቆልዑን መንእሰያትን (Kinder- und Jugenddienst KJD):
ምዕባለ ናይ ቆልዓ ወይ መንእሰይ ኣብ ሓደጋ እንተ ደኣ ኣቲዉ ዝወሃብ ምኽርን ደገፍን

ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ሻፍሃውሰን:
ኣብ ገዛ፣ ቤት ትምህርቲ ወይ ስራሕ ሽግር እንተ ደኣ ሃልዩ፣ ቀረብ ምኽርን መሰነይታን ንኣብ መንጎ ናይ 12-24 ዓመታት ዕድመ ዝርከቡ መንእሰያትን፣ ቤተ ሰቦምን፣ ወለዲ፣ መማህራንን መሰልጠንትን ይምልከት።

Pro Junior Schaffhausen/Thurgau:
ፍጻመታት ተዋድድ፣ ንቤተ ሰባትን ቆልዑን ከኣ ብግብሪ ትድግፍ።

ሓበሬታ ንወለዲ - ናይ ወለዲ መልእኽቲ Pro Juventute: ጠቓሚ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣመጋግባ፣ ክንክን፣ ምዕባለን ትምህርትን ኣብ ብዙሕ ቋንቋታት ዝተተርጎመ።:
ካብ Mütter- und Väterberatung ወይ ከኣ ካብ ኮምኩም ክትረኽብዋ ትኽእሉ። - Parentu: እዛ ናይ ኮምፕዩተር መተግበሪት (App) ንወለዲ ብዝተፈላልለዩ 15 ቋንቋታት ናይ ውላዶም ምዕባለ ካብ ልደቱ ጀሚሩ ክሳዕ 16 ዓመት ዝመልእ ትሕብር።

መመላእታ ስድራዊ ምእላይን ትምህርትን

ኣብ ካንቶን ሻፍሃውሰን ንቤተ ሰባት ከም መመላእታን ደገፍን ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ቀረባት ይርከቡ።

እቲ ቀረባት ካብ ቤት ጽሕፈታት ኣገልግሎት ምኽሪ ጀሚሩ ክሳብ ኣገልግሎት መጽናሕቲ ህጻናት፣እግሪ ዘይተኸሉ ቆልዑን እኩባት ተጻወትትን መውዓልን መጻንሕን ህጻናትን ይበጽሕ። ነቲ ቀረባት ተጠቐሙሉ! ብእኡ ኣቢልኩም ንደቅኹም ምስ ካልኦት ቆልዑ ናይ ምርኻብ ቀዳማይ ዕድል ትህብዎም።ንዓኹም ከኣ ምስ ካልኦት ቤተ ሰባት ናይ ምልላይ ዕድል ይኾነኩም።

ናይ ቤተ ሰባት ማእከል ሻፍሃውሰን:
Familienzentrum am Kirchhofplatz ኣዴታት፣ ኣቦታት፣ዓባያትን ኣቦ ሓጎታትን ኣለይቲ ቆልዑን ክራኸቡሉን ክላለዩሉን ዝኽእልሉ ቦታ እዩ። ኣብኡ መጻወቲ ዘለዎ ቢስትሮ (Bistro) ይርከብ፣ ኣዴታትን ኣቦታትን ዝመኽሩሉ መራከቢ Infothek ፣ ከምኡ‘ውን ኮርሳትን ምድላዋትን ክካየድሎም ዝከኣል ክፍልታት ይርከቡ።

ከተማ ሻፍሃውሰን – ፈለማ ህጻንነት:
ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ደገፍ ምፍላም ህጻንነት ንትምህርትን፣ምእላይን፣ መዕባያን ህጻናት ክሳዕ ምጅማር መዋዕለ ህጻናት ተገዲሱ ይዓይይ። እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ናይ ምእላይ ትካላት ጽቡቕ ናይ ቅድመ ኩነት ሓጹርን ልዑል ብልጫን ንኽህልው ይሰርሕ። ኣብ ከተማ ኣብ ምፍላም ህጻንነት ደገፍ ዝሰርሑ ሰባትን ትካላትን ሓበሬታ ይህብን የተሓብብርን።

ኮም Neuhausen – ምፍላም ህጻንነት:
ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ደገፍ ካብ ምፍላም ህጻንነት ክሳዕ ሽዱሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዘለዉዎም ቤተ ሰባት ብምኽሪ ይድግፍ። ኣብቲ ኮም ንዝርከብ ቀረባት ከኣ የተባብዕ። ብምድግጋም ንቤተ ሰባት መራኸብን ሰሙናዊ ናይ ወልድን ቆልዑን መዕለሊ (Eltern-Kind-Café) የዳልው። .

ምምዕባል ክፍለ ከተማ ሻፍሃውሰን:
ናይ ከተማ ሻፍሃውሰን ናይ ክፍለ ከተማ ምምዕባል ከተማ ሻፍሃውሰን Familienzentrum ከም ኡውን ሓያሎ ካልኦት ናይ ክፍለ ከተማታት ምርኻብትን የካይድ።

Kinder- und Jugendkommission Thayngen – thayngen4kids:
ሓበሬታ ንቐረባት ቆልዑን፣ መእሰያትን ቤተ ሰባትን ኣብ Thayngen ን ከባቢኡን።

ንናይ ቤተሰብ ምእላይ መመላእታን ካልእ ቀረባትን

ከም ተኽእሎታት መመላእታ ምእላይ ቆልዑ፡ ኣብ ሻፍሃውሰን፡ ቀረባት መውዓል ቆልዑ፡ (KiTa)፣ ናይ ተመሃሮ መጻንሕን፡ መምስሕን (Schülerhorte) ይርከቡ። ከከም ጠለብ፡ ቆልዑ ኣብኡ ወይ ምሉእ መዓልቲ ወይ ከኣ ብሰዓታት ዝተወሰነ ናይ ምእላይ ኣገልግሎት ይረኽቡ። ገለ ካብቲ ቀረባት ገንዘብ ዝኽፈሎ ኢዩ። ኣብ ገለ ኮማት እቶም ትካላት ይድጎሙዎ እዮም። ካብ ኮምኩም ብዛዕባ ኣብ ከባቢኹም ዝርከቡ ቀረባትን ገንዘባዊ ሓገዛትን ሓበሬታ ምርካብ ይከኣል።

እኩባት መጻውቲ

ህጻናት ብሓባር ተኣኪቦም ቅድሚ ኣብ መዋእለ ህጻናት ምእታዎም እናተጻወቱ ቋንቋን ማሕበረ ሰባዊ ብቕዓትን ይለማመዱ። እኩባት መጻውቲ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ካብ ክልተ ክሳዕ ኣርባዕተ ሰዓታት ይራኸቡ። ናይ ሻፍሃውሰን ኣሃዱ እኩባት መጻውቲ ዝተፈላለየ ዓይነት እዩ። ኣብ ዱር ወይ እንዳ ሓረስቶት ዝራኸቡ፡ ወይ ከኣ ንቋንቋዊ ልምምድ ዝያዳ ኣቓልቦ ዝህቡ ኣለዉ።

MuKi- / VaKi- / ElKi-Turnen)

ናይ ኣደ ምስ ቆልዓ፡ ወይ ናይ ኣቦ ምስ ቆልዓ ወይ ከኣ ወለዲ ምስ ቆልዓ፣ ወለዲ ምስ ንኣሽቱ ደቆም 3-5 ዓመት ዝዕድሚኦም ዝካፈልዎ ናይ ስፖርት ምድላዋት እዩ። ረብሓታት ጥዕናን ተንቀሳቓስነትን ከም ጸወታ ኮይኖም ይርከቡ።

ምልምማድ ቋንቋ

ብዙሓት ወለዲ ብዛዕባ ውላዶም ኣብ ሓድሽ ከባቢኡ ኣየናይ ቋንቋ ምምሃር ከም ዝሕሾ ንምፍላጥ ይሽገሩ። ሕጂ ብዝተበጽሐ መጽናዕታዊ ፍልጥት ወለዲ ምስ ደቆም በቲ ባዕሎም ዝመልክዎ ቀዳማይ ናይ ኣደ ቋንቁኦም እንተ ተዛረቡ ከም ዝሓይሽ ተፈሊጡ ኣሎ።ምስኡ ብምትሕሓዝ ቁንቋ ናይ ሓድሽ ከበቢኦም ኣብ ምጽናዕ ንደቆም ንክኽሕግዙ ንኣብነት ንደቆም ምስ ካልኦት ቆልዑ ብምሕዋስን ኣብ እኩባት መጻውቲ ብምምዝጋብን ክሕግዝዎም ይኽእሉ።

ቀረባት ንመንእሰያት

ካንቶን ሻፍሃውሰን ንድልየት መንእሰያት ከማልእ ይጽዕት። ሽማግለ መንእሰያት ንኮምን ማሕበራት መንእሰያትን የራኽብን ይድግፍን፡ ሓበሬታን ምኽርን እውን ይህብ።
ኣብ ከተማ ሻፍሃውሰን ተሓላቒ መንእሰያት ንመንእሰያት ምስ ማሕበረሰባዊ ጉዳያት ዝተተሓሓዘ ደገፉ ይህብ። ንመንእሰያት ተኽእሎታት ማሕበረሰበ ባህላዊ ምውህሃድን፡ ተሳትፎን ንምውሓስ ዝተፈላለየ ፕሮጀክትታት ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ከተማታት የዳልው።