ኣብ ካንቶን ሻፍሃኡሰን ቆልዑ ቅድም ኣብ መባእታዊ መድረኽ ይመሃሩ። (ክልተ ዓመት መዋዕለ ህጻናት፣ሽዱሽተ ዓመታት ከኣ መባእታ ቤት ትምህርቲ) ብድሕሪኡ ከኣ ካልኣይ መድረኽ ሓደ (Sekundarstufe I) (Realschule ወይ ከኣ Sekundarschule). ትምህርቲ ክሳብ ካል ኣይ መድረኽ፣ካልኣይ ክፋል ትምህርቲ ብናጻ ኢዩ። ካብ ካልኣይ ክፋል ካልኣይ ደረጃ ጀሚሩ ኩሉ ኣቑሑ ትምህርቲ ዋጋ ዝኽፈሎ እዩ።
እንተ ቐልጥፈ ድሕሪ ምምላእ ራብዓይ ዓመት ዕድመ ኣብ መዋዕለ ህጻናት ምኻድ ይጅመር። ኣብ መዋዕለ ህጻናት ብፍላይ ንእናተጻወትካ ምምሃር፡ ማሕበረ ሰባዊ ርክባትን ልምምድ ቋንቋን ዝዓበየ ኣድህቦ ይወሃቦ። መባእታዊ ትምህርቲ ካብ ምምላእ ሻድሻይ ዓመት ዕድመ ጀሚሩ ከም ልሙድ ንሽዱሽተ ዓመትታት ይጸንሕ። ብድሕሪኡ ኸኣ ናብ ማእከላይ ወይ ከኣ ናብ ቀዳማይ ክፋል ካልኣይ ደረጃ ይእተው። ስንክልና ዘለዎም ቆልዑ፡ ወይ ናብ ፍሉይ በት ትምህርቲ ይኣትዉ ወይ ከኣ ናብ ስሩዕ በት ትምህርቲ ይወሃሃዱ።
ወለዲ ንደቆም ኣብ ትምህርትን መዕበያን ቀዳሞት ተጸዋዕቲ እዮም። ደቆም ከምህሩ፡ ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ምውፋሮምን ንስሩዕ መደብ ትምህርቲ ይከታተሉ ምህላዎም ክቆጻጸሩን ሓላፍነቶም ኢዩ። ደቆም ዕዮ ቤት ይሰርሑ ምህላዎም ክቆጻጸሩን ዕዮኦም ክፍጽሙ ዘኽእሎም ኩሉ ክቕርቡሎምን እውን ሓላፍነቶም እዩ። ጥምረት ስራሕ ኣብ መንጎ ወለድን መማህራንን ኣብ ስዊዘርላንድ ዓቢ ግምት ይወሃቦ። ቤት ትምህርቲ ንወለዲ ናብ ናይ ወለዲ ምሸታትን ምክሪ ንምውህሃብን ኣዘውቲሩ ይዕድም። ደቆም ኣብ ትምህርቶም ክዕወቱን፡
ኣብ ጸገማት ምፍታሕን፡ ኣብ ምምራጽ ሞያ ሓባራዊ ፍትሓት ኣብ ምርካብን ተሳታፍነት ወለዲ ኣብ ትምህርቲ ኣገዳሲ እዩ።
ቅድመ ትምህርታዊ ልምምድ
መባእታዊ ደረጃ
ካልኣይ ደረጃ፡ ቀዳማይ ክፋል
ካልኣይ ደረጃ፡ ካልኣይ ክፋል
ሳልሳይ ደረጃ
መዋዕለ ህጻናት
መባእታዊ ትምህርቲ
ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ፡
ማእከላይ ቤት ትምህርቲ (ካንቶናዊ) ኢደ ጥበባዊ ማእከላይ ቤት ትምህርቲ፡ ሞያዊ ቤት ትምህርቲ፡ ናይ ሞያ ምስክር ብቕዓት ፡ ዩኒቬርሲቲ፡ ETH
ኢደ ጥበባዊ ልዑል ቤት ትምህርቲ፡ ዝለዓለ ኢደ ጥበባዊ ቤት ትምህርቲ
2 ዓመት
6 ዓመት
2-3 ዓመት
2-4 ዓመት
2-6 ዓመት
ውላድኩም ትሑት ወይ ብዘይ ገለ ፍልጠት ጀርመንኛ ናብ ቤት ትምህርቲ እንተ ኣተወ፡ ቤት ትምህርቲ ዝተፈላለየ መልክዓት ዘለዎ ደገፋት ሒዛ ትጽበዮ።
ንዕኡ ዝበቅዕ ፍታሕ ከኣ ብመማህራንን ብ DaZ ተጸኒዑ ይወሃቦ፣
ብቐዳምነት ቆልዑ ኣብ ስሩዕ ክፍሊታት ይጽምበሩ እሞ ተወሳኺ ትምህርቲ ቋንቋ ከኣ ይወሃቦም። ገለ ኮማት ቀረብ ናይ መእተዊ ክፍልታት ንተዛረብቲ ናይ ወጻኢ ቋንቋታት (EfF). ኣለወን
ቀዳማይ ቋንቁኦም ኣጽርዮም ዝፈልጡ ተዛረብቲ ናይ ወጻኢ ቋንቋታት ቆልዑ፣ ካልኦት ቋንቋታት ንኽመሃሩ ይቐለሎም። ስለዚ ከኣ ዝተፈላለዩ ቆንስላትን ውልቃውያን ሓገዝትን ንደቂ ወጻኢ ህጻናት ናይ ዓዶም ቋንቋን ባህልን ክመሃሩ ይድግፉ። መብዛሕትኡ ትምህርቲ ኣብ ካልኣይ ክፍሊ ይጅምር። ገለ ሓገዝቲ ከኣ ካብኡ ኣቐዲሞም ይጅምሩ። ምልክታ ብህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ኣቢሉ ይፍጸም፡፡ HSK-ነጥቢ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሚስተር ኣብ ናይ ትምህርቲ ወረቐት ምስክር ክምዝገብ ይከኣል።
ኣብ ሻፍሃውሰን ገለ ብሕታውያን ቤት ትምህርቲታት ናይ ፍሉይ ስርዓት ትምህርቲ ቀረብ ኣለወን፡ ዓለም ለኻዊት በት ትምህርቲ ሻፍሃውሰን ISSH International School of Schaffhausen ISSH ብመሰረት ዓለም ለኻዊ ስርዓተ ትምህርቲ ውድብ ባካላውረኣተ (IBO International Baccalaureate Organization (IBO); ትምህርቲ ብቋንቋ እንግሊዝ ይወሃብ።
Waldorfschule ብመሰረት ስርዓት ትምህርቲ ቫልዶርፍ Waldorf ትምህርቲ ይህብ። ሽታት ራንድ ሹለ (Stadtrandschule) ናይ ካብ 1 ክሳዕ 9 ዓመት ዝዕድሚኦም ናይ ምሉእ መዓልቲ ቤት ትምህርቲ እያ። ማሕበር Waldläufer ኣብ Neuhauser Wald መሰረታዊ ትምህርቲ (ካብ መዋዕለ ህጻናት ክሳዕ 2. ክፍሊ) ይህብ፣ ኣብ Hallau ካብ 1. ክሳዕ 6. ክፍሊ Tandemschule ኣሎ።