መንእሰያት ድሕሪ ምዝዛም ግዴታዊ ትምህርቲ፡ ኣብ ቀጻሊ ትምህርቲ ወይ ከኣ ሞያዊ ትምህርቲ ክኣትዉ ይኽእሉ።መብዛሕትኦም ተመሃሮ ስዊዘርላንድ ኣብ ሞያዊ ትምህርቲ ይኣትዉ።
መሰረታዊ ሞያዊ ትምህርቲ ኣብ ሞያዊ ዓውዲ ስራሕ ንምስታፍ ዘኽእል ፍልጠትን ዓቕምን ንምርካብ የብቅዕ። ኣብ ስዊዘርላንድ እቲ ክልተኣዊ ስርዓት ትምህርቲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣገባብ ትምህርቲ ይዝውተር። እዚ ማለት ከኣ ጎነ ጎኒ ዝኸይድ ተግባራዊ ስልጠና ኣብ ኣፍረይቲ ትካላትን ቲዮረቲካዊ ተሳትፎ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሞያን ምውሳድ ማለት እዩ። ዳርጋ 70% መንእሰያት ጉዕዞ ሞያዊ ህይወቶም ብኸምዚ ዝበለ ኣገባብ ይፍልምዎ። ቅድመኩነት ምስ ዋና ትካል ስራሕ ዝግበር ናይ ስልጠና ውዕል እዩ።
ብመሰረቱ ክልተ ዓይነታት ሞያዊ መሰረተ ትምህርቲ ኣለዉ።
1. Fähigkeitszeugnis (ወረቐት ምስክር ብቕዓት፡) እዚ ናይ ሰለስት ወይ ኣርባዕተ ዓመታት መሰረተ ትምህርቲ ብፈተና ብቅዓት ሞያ (Lehrabschlussprüfung) ይድምደም። እዚ ፈደራላዊ ናይ ክእለት ምስክር ምስታፍን ዓወትን መደምደምታ መርመራ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ተወሲኽዎናብ ምስክር ሞያዊ ብቕዓት(Berufsmaturität) ይዓርግ።
2. Berufsattest: ናይ ክልተ ዓመት መሰረት ትምህርቲ ብመርመራ ተዛዚሙ ምስክር ናይ ፌደራላዊ መረጋገጺ ሞያ (eidgenössischen Berufsattest) የውህብ፡፡ ኣብ ቀረባት ንተግባራዊ ተውህቦ ዘለዎም ተመሃርቲ ከኣ ዝያዳ ጠቓምነት ኣለዎ።
ጎኒ ጎኒ ስልጠና ወይ ከኣ ድሕሪ ምውዳእ ስልጠና Berufsmatura ክውዳእ ይከኣል Die Berufsmaturität ናብ Fachhochschulen (ልዑል ተግባራዊ ትምህርቲ) ንምእታው የብቅዕ።
ኣብ ዩኒቬርሲቲ ንምእታው ንናይ Kantonsschule (Gymnasium) (ካንቶናዊ ጂምናዝዩም) ናይ መድምደም ትምህርቲ መርመራ Matura ምሕላፍ የድልይ።
Die Fachmittelschule (ናይ ሞያ ማእከላይ ቤት ትምህርቲ) ድሕሪ ናይ ሰልስተ ዓመት ሓፈሻዊ ትምህርትን ናይ ሓደ ዓመት ተግባራዊ ልምምድን ፈጺምካ ናይ Fachmaturitätsabschluss ሓሊፍካ ምስ ተዓወትካ ኣብ ልዑል ናይ ሞያ ቤት ትምህርቲ ንምእታው የብቅዕ
ምውዳእ Handelsmittelschule ምስ kaufmännischen Berufsmaturität. ተሓዊሱ Kaufmann/Kauffrau EFZ ንምዃን የብቅዕ።
ስዊዘርላንድ ሃብታም ቀረብ ትምህርቲ ኣለዋ። ልዑል ትምህርቲ ድሕሪ ሞያዊ ትምህርቲ ምውዳእ ወይ ከኣ ድሕሪ ጂምናዝዩም ገንዘብ ይኽፈሎ እዩ።
(ዩኒቨርሲቲ፡ፈደራላዊ ተክኒካዊ ሞያዊ ልዑል ትምህርቲ፡ ስነ ትምህርታዊ ልዑል ትምህርቲ፡ ሞያዊ ልዑል ትምህርቲ፡ ልዑል ሞያዊ ቤት ትምህርቲ)
ማእከል ሞያዊ ሓበሬታ (BIZ) ንተቐማጦ ሻፍሃውሰን ንሓበሬታን ንምርጫ ሞያን፡ምርጫ ልዑል ትምህርትን ቀጻሊ ጉዕዞ ስራሕን ቀጻሊ ተክእሎታት ስልጠናን ኩሉሳዕ ቅሩብ እዩ። ኣብ መርበብ ኢንተርነት BIZ ወይ ውን ብኣካል ኣብ ጎደና am Herrenacker 9 መጺእኩም ብዛዕባ መልክዕ ዝተፈላለዩ ሞያታት መረዳእታ ክትእክቡ ትክእሉ። ብዘይ ቆጸራ መጺእኩም ምኽሪ ክትወስዱ እውን ትኽእሉ ኢኹም። ንቐጻሊ ሕቶታት ከኣ ቆጸራ ምግባር ይከኣል።
ካብ ኣገልግሎት ምኽሪ ዓሚላት ተገዳስነቶምን ዓቕሚታቶምን ክለልዩን ንተኽእሎታት ሞያታት ሓሳባት ከማዕብሉን ይኽእሉ።
ዕድመኦም ክሳዕ 20 ንዝኾነ መንእሰያት ተቐማጦ ሻፍሃውሰን ብመሰረቱ ምኽሪ ብናጻ ይወሃቦም። ንኹሎም ተቀማጦ ሻፍሃውሰን ናይ ሞያዊ ህይወት መደብ ምኽሪ ምሃብ ክፉት እዩ። ናይተን ቀዳሞት ሰለስተ ቆጸራታት ምምኻር ነፍሲ ወከፍ ሰዓት ብናጻ እየን ዝወሃባ። ቀጻሊ ኣገልግሎት ምኽሪ ግን ዋጋ ይኽፈሎ።
ንናይ ግዴታ ትምህርቲ ምስ ወድአ፡ ትኽ ኢሉ ሞያዊ መሰረተ ትምህርቲ፡ ወይ ቀጻሊ ትምህርቲ ዘይረኻበ፡ ብቐረብ ድንድል (Brückenangebot) ክጥቀም ይኽእል። ናይ ሞያ ሓበሬታ ማእከል (BIZ) ብዛዕባ ክትገብርዎ ትኽእሉ ቅኑዕ ምርጫ ተማኽረኩም። ማእከል ሞያዊ ስልጠና (BIZ) ሻፍሃውሰን ኣብ ዓመት ሞያዊ ምድላው ዝተፈላለየ ሞዴላት ስልጠና ትቕርብ። ኣብ ግዴታዊ ትምህርቲ ንዘይተኻፈሉ ወይ ኣብ ስዊዘርላንድ ጥራይ ቁሩብ ንዝተኻፈሉ ደንጉዮም ንዝኣተዉ መንእሰያትን ዓበይትን ኣብ ካንቶን ሻፍሃውሰን ዝተቐረበ ክልተ ዝጽፍሑ ትምህርቲ ኣሎ። ፣
እቲ ቀዳማይ መድረኽ ናብ ናይ ስልጠና ሞያ ዘተኮረ፣ ናይ ምውህሃድ ኮርሳት BBZ. ዘሰጋግር ፕሮግራም መሰረታዊ ትምህርቲ JUMA ናይ SAH Schaffhausen እዩ። እቲ ናይ ምውህሃድ ኮርሳት ወይ ከም ናይ ምሉእ መዓልቲ ዕማም ወይ ከኣ ከም ቅድመ ምውህሃድ ስልጠና (Integrationsvorlehre)፣ መሰነይታ ስራሕ ፣ ልምምድ ዝተሓወሶ ትምህርቲ ኮይኑ ይካየድ። ዕላማ ናይ‘ዚ ቀረብ‘ዚ ኣብ ስዊዘርላንድ መሰረታዊ ሞያዊ ስልጠና ንምጅማር ንምብቃዕ እዩ።