ጥዕና

ሕክምናዊ ረዲኤት

ኣብ ስውዘርላንድ መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ሕቶ ጉዳያት ጥዕና ቀዳማይ ኣማኻሪ ዝኾኖም ናይ ቤተሰብ ሓኪም ኣለዎም። ሻፍሃውሰን ክልተ ሆስፒታላት ኣለዉዋ። ናይ ህዝቢ ቤት ሕክምናን ብሕታዊት ክሊኒክ Belair ን ናብ ሆስቲታል ብመምርሒ ሓኪም ቤተሰብ ኣቢልካ እዩ ዝእተው። ኣብ ወጻኢ እዋን ስራሕ ኣብ ህጹጽ ኩነታት ከኣ ናብ ናይ ህጹጽ ኣገልግሎት ሕክምና ወይ ከኣ ናብ ናይ ካንቶን ህጹጽ መቐበል ሕሙማት ክኽየድ ይከኣል።

ሕክምናዊ ህጹጽ ረድኤት

ኣብ ካንቶን ሻፍሃውሰን ዕዮ ናይ ተመላለስቲ ሕክምናዊ ህጹጽ ረዲኤት ብሓካይም ወነንቲ ርእሰን ዝኸኣላ ኣገልግሎት ሕክምና ይፍጸም። ኣብ ንቡር ሰዓታት ስራሕ ንህጹጽ ረዲኤት ካብ ሓኪም ቤተ ሰብ ተወከሱ። እንተዘይረኸብክዎም ኣብ ኣገልግሎት ናይ ዝህልዉ ዝትክእዎም ሓኻይም ቁጽሪ ስልኪ ክንገረኩም እዩ። ኣብ ወጻኢ ሰዓታት ስራሕ፡ ሕክምናዊ ረዲኤት ካብ ኣገልገልቲ ህጹጽ ረዲኤት ካንቶናዊ ሆስፒታል ሻፍሃውሰን ሕተቱ።
ምሸትን ቀዳመ ሰንበትን ብሓልዮት ናይ ቤተ ሰባት ሓካይም ናይቲ ዞባ ንምሉእ መዓልቲ ይካየድ።
ክፍሊ ህጹጽ ረዲኤት ኣብ ናይ ካንቶን ሆስፒታል ለይትን መዓልትን ፣ ን 365 መዓልታት ኣብ ዓመት ክፉት እዩ።

ህጹጽ ኩነት ከጋጥም ከሎ እንታይ ይገበር፡

ቴለፎን ቁጽሪ 052 634 34 00 ምስ ደወልኩም ናብ ዝጠዓመ ህጹጽ ኣገክግሎት ሕክምና ክትምርሑ ኢኹም። እዚ ኣብ ኣገልግሎት ዝርከብ ናይ ቤተ ሰብ ሓኪም፣ ኣብ እዋን ቀትሪ ናብ ናይ ህጹጽ ኣገልግሎት ብሕታዊ ሓኪም ወይ ከኣ መደበር ህጹጽ ሕክምና ክኸውን ክኸውን ይኽእል። ናይ ሞት ስግኣት ዘለዎ ህጹጽ ኩነት ብዝምልከት ብኽብረትኩም ቁጽሪ ስልኪ 144 ደውሉ።

ክፍሊ ጉዳይት ምጽራይን ምውሳድ ስጉምትን ኣብ ኩነታት ቅልውላው
(Abklärungs- und Kriseninterventionsstelle KiSH)

ክፍሊ ጉዳይት ምጽራይን ምውሳድ ስጉምትን ኣብ ኩነታት ቅልውላው
(KiSH)ቀረብ ናይ ስነ ኣእምራዊ ኣገልግሎት እዩ። ኣብ Psychiatriezentrum Breitenau ድማ ይርከብ። ኣብ መንጎ 24 ን 48 ን ሰዓታት ከኣ ናይ ቅልውላው ጸገም ንዘለዎም ስሉጥ ናይ ዝርርብ ቆጸራ ይህብ፣. ቁጽሪ ስልኪ. 052 634 72 75 (ካብ ሰዓት 17.00 ምሸት ክሳዕ ሰኦኣት 8.00 ንጉሆን ቀዳመ ሰንበትን: ቁጽሪ ስልኪ. 052 634 34 34.)

ናይ ጥዕናን ሓደጋን መድሕን

ካብ ወጻኢ ሃገር ድሕሪ ምምጻእኩም ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ውዕል መድሕን ሕክምናን ሓደጋን ክትኣትዉ ትግደዱ። ካብ ካልእ ኮም ዝገዓዝኩም እንተ ደኣ ኴንኩም ኣብ ውሽጢ ሰላሳ መዓልታት ናብ ትነብሩሉ ሓድሽ ኮም ናይ መድሕንኩም ካርድ ኣቕርቡ።

ትካላት መድሕን ሕክምና ኣብ መሰረታዊ ጽፍሒ መድሕን ክቕበላኹም ብሕጊ ግዱዳት እየን።

ስራሕ ዘለዎም ሰባት ብመሰረቱ ናይ ሓደጋ መድሕን ኣለዎም።- ድርብ ናይ መድሕን ውዕል ከይትኣትዉ ተጠንቀቑ። መሰረታዊ መድሕን ንወጻኢታት ሕክምና ናይ ሓፈሻዊ ኣገልግሎት ኣብ መዝገብ ሆስፒታላት ሻፍሃውሰንን ዝርከቡ ይሽፍን። ሓደ ክፋል ናይቲ ወጻኢታትግን ከከም መሰል መራጽነትን መጠን ርእሰ ተኻፋልነትን ብተጠቃሚ ይሽፈን።

መንግስቲ ኣብ ክፍሊት መድሕን ትሑት እትዋት ንዘለዎም ቤተሰባት ሓገዛት ይገብር። ማሕበረሰባዊ መድሕን ካንቶን ሻፍሃውሰን ነዚ ናይ ደገፍ ክፍሊት ምልክታታት የመስርሕ።

ተጠቃሚ ኣብ ርእሲ እቲ መሰረታዊ መድሕን ካልእ ከም መሰል ብሕታዊ መደቀሲ ኣብ ሆስፒታል ዘውህብ ተወሳኺ መድሕን ክወዓዓል ይኽእል።

ክንክን ስኒ

ሕክምና ስኒ ብጀካ ኣብ ገለ ዘይልሙድ ኣሰራርሓ ብመሰረታዊ ናይ ግዴታ መድሕን ዝሽፈን ኣይኮነን፡፡ ስለዚውን መብዛሕትኡ ወጻኢታት ንሕክምና ስኒ ባዕሉ ተሓካማይ ዝሽፍኖ እዩ። ንህጻናት ሓደ ፍሉይ ውዕል መድሕን ክንክን ስኒ ክእተው ይከኣል እዩ።

ኣብ ካንቶን ሻፍሃውሰን ህጻናትን መንእሰያትን ኣብ ናይ ቤት ትምህርቶም ቤት ሕክምና ስኒ ኣገልግሎት ክረኽቡ ይኽእሉ። ናይ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ስኒ፣ ኣብ ዓዓመት ንቖልዑ መዋዕለ ህጻናትን ተመሃሮ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ናይ ስኒ መርመራታት ይገብረሎም። እቲ መርመራ ገንዘብ ዘይክፈሎን ግዴታውን እዩ። ካልእ ዝግበር መመላእታ ኣገልግሎት ብሳላ ካንቶናዊ ድጎማ ሕሱር እዩ። ናይ ምክልኻል ሓደጋ ጥዕና ሰብ ሞያ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ንቆልዑ መዋዕለ ህጻናትን ተመሃሮን መርመራ የካይዱሎም።እቲ መርመራ ናጻን ግዴታውን እዩ። ወጻኢታት ኣገልግሎት ብካንቶን ዝሽፈኑ ስለ ዝኾኑ ብትሑት ዋጋ ክቕረቡ ይኽእሉ።

ኣባላት ምክልኻል ጥዕና ናብ መዋዕለ ህጻናት፣ መባእታ ቤት ትምህርቲታት፣ ናይ ምድላዋት ቤት ትምህርቲታትን፡ ቤት ትምህርትታትን እናዞሩ ንህጻናት ብዛዕባ ጥዕናዊ ጽርየት ኣፍን፡ ቅኑዕ ኣመጋግባን ኣስተምህሮታት ይህቡ።

ደገፍን ክንክንን ኣብ ካንቶን ሻፍሃወስን

ሕዱር ሕማምን ስንክልናን፡ ኣብ ርእሲ ቃንዛ ኣካላት ካልእ ጸገማት እውን ኣብ ዕለታዊ ናብራ የስዕቡ እዮም። ንሽማግለታት እውን ሓደስቲ ብድሆታት የጋጥምዎም። ኣብ ርእሲ ዘቤታዊ ክንክንን ደገፍን ኣብያተ ኣረጋውያን፡ክንክንን ናይ ኣረጋውያን እውን ኣለዉ።
ኣብ ሻፍሃውሰን ኣብያተ ምኽሪ ከም ከም Pro Senectute ወይ Pro Infirmis እውን ኣለዉ። ወይ ናይ ደገፍ ኣገልግሎታት ክም Spitex ወይ
ቀይሕ መስቀልን ዝኣመሰሉ ኣብ ክንክንን ዕለታዊ ዕዮታት ደገፎም ዘወፍዩ ናይ ምኽሪ ትካላት እውን ኣለዉ።

Pro Senectute Kanton Schaffhausen:
ዝተፈላለዩ ቀረባት ኣገግሎት ምኽሪ ፣ ናይ ምዝንጋዕ ቀረባት፣ ሓገዝ ንኣረጋውያን ኣብ ዕለታዊ ናብርኦምን።

Pro Infirmis Thurgau-Schaffhausen:
ኣገልግሎት ምኽርን ደገፍን ን ኣካላዊ ስነ ኣእምራዊ፣ ናይ ምርዳእን ጸገማት ዘለዎም ሰባትን ሰቦምን ክሳዕ ናይ AHV ዕድመ ዝበጽሑ (ደቂ ኣንስትዮ 64 / ደቂ ተባዕትዮ 65)።

Krebsliga, Lungenliga, Rheumaliga und Diabetes Schaffhausen:
ንጉዱኣትን ቤተሰቦምን ብዝተፈላለየ መገዲ ምድጋፍ፣

Spitex Kanton Schaffhausen:
ኣገልግሎታት Spitex ካብ ናይ ጥዕናን ሕሙማትን ክንክን ጀሚሩ ክሳብ ምብራይ ኣብ ናይ ገዛን ማሕበረ ሰባውን ምእላይን ይበጽሕ።

ቀይሕ መስቀል ስዊዘርላንድ ካንቶን ሻፍሃውሰን:
ዝተፈላለየ ኣገልግሎታትን ደገፋትን ኣብ ጉዳያት ጥዕና፣ ማሕበረሰብን ምውህሃድን ይቕርብ።እቶም ኣገደስቲ ቀረባት ናይ ምጉዕዓዝ ኣገልግሎት፣ ናይ ህጹጽ ተሌፎን ኣገልግሎት፣ ኣገልግሎት ቀይሕ መስቀል ምብራይን እዮም። (Rotkreuz-Entlastungsdienste)

palliative.ch:
ካንቶን ጠርነፍ ዝኾነ መርበብ ዘለዎ ከቢድ ሕማም ንዘለዎም ሰባት ዝሕብሕብ፣ናይ ስዊዘርላንድ ማሕበር፣ ኣብ ሻፍሃውስን ናይ ካንቶን ማሕበር ኣሎ።

ማሕበር ንሕቶታት መንእሰያት ምክልኻልን ሓገዝ ንውሉፋትን ሻፍሃውሰን (Verein für Jugendfragen, Prävention und Suchthilfe Schaffhausen VJPS):
ክፍሊ ጉዳያት ደገፍ ጥዕናን፣ ምክልኻልን ምኽሪ ንውሉፋትን፣ ማሕበረ ሰባዊ ሓገዝን ፣ምእካብ መግቢ ንስኡናትን