ዞባ ሻፍሃውሰን ንዝተፈላለየ ናይ ዳህሳስ ጉዕዞ ይዕድም።እቲ ኣብ መንጎ ሻፍሃውሰንን ሽታይን ኣም ራይንን (Stein am Rhein) ዝርከብ ዝተፈላለየ ትርኢታት ምድረ ገጽ መዘና ዘይብሉ ናይ ተፈጥሮ ጽባቐ የንጸባርቕ። ኣብ ሓጋይ ዳርጋ ፍርቂ ሻፍሃውሰን ኣብ ናይ ራይን ናይ ጥዕና መሕጸቢ ቦታታትን ክፉት ደንደሳትን ዝሑል ማይ የኻፍዮ።። ኣብ ምፍርራቕ ወርሓት ዓመት መንጫዕጫዕታ ራይን ንዓይኒ ተመልከትቲ ይመስጥ። እቲ ኣዝዩ ማራኺ ኸኣ እዋን እቲ መሬት ብበረድ ዝኽደነሉ ክረምቲ እዩ። ኣብ ሓጋይ ጽባቐ ተፈጥሮ ብናይ ሕብረ ቅርጻዊ ስነ ጥበባዊ ተኹሲታት ይጽምበል። ርሑቓት በረኽትን ግሩባትን ቦታታት ናይ ራንደንን ረያትን (Randens und des Reiats) ንዙረት፡ ምንቅስቓስን፡ ምዝንጋዕን ይዕድሙ። እቲ ብጽቡቕ ዝተሃንጸ ብቁዕ መገዲ ቢቺክለታ ኸኣ ንዙረት ይዕድም።
ሕጉስ ንምዃን፡ዕለታዊ ምስ ሰብ ምርኻብን፡ምዝንጋን፡የድልይ። እዚ ኸኣ ወጥሪታት ንምዝርዛርን፡ ፍልጠት ንምእካብን፡
ጥዕና ንምሕላውን፡ ሓደስቲ ኣዕሩኽ ንምጥራይን ይጠቅም።
ኣብ ክፍለ ከተማታትን ሃገረ ሰብን፡ ክትካፈልዎን ኣብ ምድላዉ ክትተሓጋገዙሉ ትኽእሉን በዓላትን ምርኢታትን ይዳለው። ብዛዕባ'ዚ ንፈለጥትኹምን፡ ፈተውትኹምን፡ ኣዝማድኩምን ተወከሱ። ማሕበራዊ ምዝማዳት ክፍጸመሎም ዝከኣል ከም ቦታታት መጻወቲ፡ መሐምበሲ፡ ወይ ሓፈሻዊ መአከቢታት ናይ ሃገረ ሰብን ከተማታትን መራኸቢታት ኣለዉ። ኣብ ጥቓኹም ኣብ ዝርከብ ቦታ ጠቓሚ ኣስተዋጽኦታት ናይ ምፍጻም ድሌት እንተ ደኣ ሃልዩኩም፡ ኣብ ዓድኹም ወይ ክፍለ ከተማኹም ክትፍጽምዎ ትኽእሉ ኢኹም።
ኮማት ሻፍሃውሰን ሓበሬታ ብዛዕባ ህልው ፍጻመታት፡ፖለቲካን፡ ምሕዳርን ኣብ ነናይ ነፍሲ ወከፈን ናይ መርበብ ገጻተን የውጽእኣ።
ኣብ ካንቶን ሻፍሃውሰን ንጉዳይ ሓባራዊ ናብራን፡ ምልውዋጥን፡ ማሕበረሰባዊ ጥምረትን ናይታ ካንቶን ንዘተባብዕን ንምምሕያሽ መነባብሮ ኣስተውጽኦ ዝገብርን ፕሮጀክትታት ደገፍ ይግበረሉ እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ከተማታት ናይ ዝተፈላለየ ዕድመን፤መበቆልን ዘለዎም ሰባት ርክባት ይካየድ ኢዩ።
ኣብ ካንቶንን ኮማትን ዝተፈላለያ ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮ ደቂ ተባዕትዮን ህጻናት፡ መንእሰያትን ሽማግለታትን ኣለዋ። ገለ ካብኣተን ክም ስካውት፡ ዝኣመሰሉ ጥምረታት መንእሰያት፡ ኣከብቲ ፍልጠት ተፈጥሮን፡ ታሪኽን፡ ንመጉዓዝያ ዝምልከቱ ክላባት፡ ክላባት ተጻውትቲ ገበጣ ቸስ፡ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ፡ ናይ ሙዚቃን፡ ባህልን ጥምረታት፡ በብዓይነተን ፖለቲካውያንን ስፖርታውያንን ጥምረታት። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ኣብ ሓያሎ ኮማት ከም ናይ ወለድን ቆልዑን ስፖርት፡ " ኤ ል ኪ ቱርነን" ((ElKi-Turnen) ናይ ጥዕና ምውስዋስ ኣካላት፡ ናይ ዕድመ ዝደፍኡ ምውስዋስ ኣካላት፡ ጉጅለታት መዝሙርን ተዋስኦን እውን ኣለዉ። ቀረባት ማሕበራት ንኹሉ ክፉት እዩ። ንሓደስቲ ኣባላት ከኣ ሓንጎፋይ ኢሎም ይቕበልዎም። ኣብ ትነብሩሉ ኮማት ብዛዕባ ዝተፈላለየ ቀረባት ተወከሱ።
ኣብ ገጽ መርበብ ናይ ትነብሩሉ ኮም ዘድልይ ሓበሬታ ምርካብ ይከኣል።
ዞባ ሻፍሃውሰን ዝተፈላለዩን ብዙሓትን ባህላዊ ቀረባት ይርከብዋ። ካብ ናይ ከተማ ቤት ተዋስኦን ንኣሽቱ ናይ መዋስኢ መድረኻት ኮማትን
ጀሚርኩም ክሳዕ ብዞባዊ ደረጃ ዝወሃብ ናይ ተዋስኦ ፍጻመታት ንጡፍ ተኻፋሊ ክትኮኑ ትክእሉ ኢኹም። እቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ፕሮግራማት ፊልም ሻፍሃውሰንን ሽታይን ኣም ራይንን (Stein am Rhein )በቲ ኣብ ሙኖትዚነ (Munotzinne) ዝካየዱ ንኣሽቱ ግን ከኣ ምጩዋት ኣብ ናጻ ኣይር ዝካየድ በዓላት ፊልም ይደምቕ። እቲ ኣብ ርሑቕ ቦታታት ከይተረፈ ዝተወርየ ናይ Museum zu Allerheiligen ን ዝተፈላለዩ ናይ ስነ ጥበብ ምርኢታትን ንበጻሕቲ ዘዕግቡ ቀረባት እዮም። ከም ኣብ Hallau ሻፍሃውሰን ዝርከቡ ሙዝየም ዕዮ ተኽሊ ወይኒ ዝኣመሰሉ ናይ ቀረባ ቦታ ምርኢታት ዞባዊ ተፈላጥነት፡ ባህልን ልምድን የረድኡ። ንሸውሃት ፈተውቲ ዝተፈላለየ ዓይነት ሙዚቃ ዘርውዩ፡ ሓያሎ ምርኢታት ጃዝን ካልእ ብዙሕ ሙዚቃዊ ፍጻመታት ቦታዊ በዓላትን ከኣ ኣለዉ።
ንናይ ሙዚቃ ፌስቲቫል ከውኽብቲ ኣብ ከተማ፣ ንዓለም ለኻዊ Bachfest ናይ ኮንሰትርት መስርዕ «Schaffhausen Klassik», ከም ኡውን ብዙሓት ናይ ኮንሰርት ቦታታት ከም Kulturzentrum Kammgarn ናይ ሙዚቃ ክላብ TapTap ዝተፈላልዩ ኣፍቀርቲ ሙዚቃ ይዓግቡሉ።
ቤት ንባባት ናይ ሓበሬታን ፍልጠን ናጻ ኣፍደገታት እዮም። ቤት ንባብ Agnesenschütte ከምኡውን ናይ ከተማ ቤት ንባብ Münsterplatz ናይ ከተማ ሻፍሃውሰን ናይ ህዝቢ ቤት ንባባት እዮም፣ ንኹሉ ኸኣ ክፉታት እዮም። ሓሳባት ብናጻ ምግላጽን፡ ናይ ዕድላት ማዕርነትን፡ ሰብ ባዕሉ ፍልጠቱ ክዕብይን፡ ንሓድሕዱ ክራኸብን፡ ሓሳባቱ ክለዋወጥን ከኣ የተባብዑ። ሰብ ባዕሉ ዝመሃረሉ ቦታ ከኣ ይቕርቡ። ኣባልነት ብናጻ፣ ንኹሉ ተቐማጢ ናይቲ ዞባ ፍቑድ እዩ።.
ቤት ንባብ Agnesenschütte ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ሞያውን ናይ ምዝንጋዕን መጻሕፍቲ ንኹሉ ደረጃታት ይቕርብ። ቤት ንባብ Stadtbibliothek am Münsterplatz ናይ ጥንታዊ ስነ ጽሑፋት መዐቀቢ እዩ።
ኣብ ኮማት Hallau, Oberhallau, Neunkirch, Wilchingen, Schleitheim, Neuhausen am Rheinfall, Stein am Rhein und Thayngen ናይ ህዝቢ ቤት ንባባት ይርከቡ፣ ኣብ Familienzentrum ሻፍሃውሰን ከምኡ‘ውን Stein am Rhein ቤት ንዋየ መጻወቲ ( Ludotheken) ናይቲ ካንቶን ይርከቡ። ቤተ ንዋይ መጻወቲ (Ludotheken) ጸወታን ኣቕሑ ጸወታን የለቅሑ።