ዞባ ሻፍሃውሰን ከም ናይ መግቢ ድኳናት፡ ሞያዊ ድኳናት፡ ድኳናት ኣቑሑ ቤትን ድኳናት ቀንጠመንጥን ዝኣመሰሉ ኣብያተ ንግዲ፡ንኹሉ ካብ ንመዓላ ዕለታዊ ድልየታት ዘገልግሉ ነገራት ጀሚርካ ክሳብ ናይ ሞዳ ክዳንን፡ ሰዓትን፡ ጋዕ ገልጠምን፡ ስልማትን ቃሕ ዝበለካ ነገራት ይርከብዋ።
ብጽቡቕ ዝተዓቀቡን ካብ ረግጺ መካይን ዝተፈልዩን፡ማእከላት ኣረገውቲ ክፍለ ከተማ ሽታይን ኣም ራይንን፡ Stein am Rhein ሻፍሃውሰንን፡ ጽቡቕ ክዳን ተኽዲንካ ሸናዕ እናበልካ ናይ ዕዳጋ ዙረት ክትገብረሎም የወናውኑ።ሓያሎ ኮማት ኣብ ገጻት መርበባቶም ዝርዝር ኣስማት ኣብያተ ንግዳት ኣለዎም። ሓበሬታ ብዛዕባ ዕዳጋ ኣብ ኣረገውቲ ክፍለ ከተማ ካብ ፕሮ ሲቲ ምርካብ ይከኣል።
ሰዓታት ስራሕ
ድኳናት ዝኽፈተሉ ሰዓታት ዝተፈላለየ እዩ። ብዙሓት ቤተ ዋኒናት ንጉሆ ኣብ መንጎ ሰዓታት ሾመንተን ትሽዓተን ይኽፈቱ፣ ኣብ መንጎ ሰዓታት ዓሰርተሸሞንተን ሰላሳን ዓሰርተው ትሾኣተን ከኣ ይዕጸዉ። ዓበይቲ ድኳናት ብኸፊል ንዝነውሐ ሰዓታት ይኽፈቱ።
ዋጋታት
ዝተጻሕፉ ዋጋታት ቀየድትን ግብሪ መንግስቲ ዝተደመሮምን እዮም። መብዛሕትኡ እዋናት ብጥረ ገንዘብ፡ ብ ናይ EC-ካርድ ወይ ከኣ ብናይ ፖስት ካርድ ወይ ከኣ ናይ መኽፈሊ App TWINT ይኽፈል። መብዛሕትኦም ነጋዶ ነቲ ዝውቱር ናይ ክረዲት ካርድታት ይቕበሉ።
ትኽ ኢልካ ካብ እንዳ ሓረስቶት
ኣብ'ቲ ንዓይኒ ዝማርኽ ሰሙናዊ ዕዳጋ፡ ናይ ቀጽሪ ዕዳጋ ወይ ከኣ ትክ ብትኽ ካብ እንዳ ሓረስቶት ናይ'ዚ ዞባ እዚ ሓድሽ ፍርያት ምዕዳግ ይከኣል።
ናይ ሻፍሃውሰን ሰሙናዊ ዕዳጋ፡ ሰሉስ ካብ ስዓት 7.00 ክሳዕ ሰዓት 11.00
ቀዳም ካብ ስዓት 7.00 ክሳዕ ሰዓት 12.00
ኣብ ሰሙናዊ ዕዳጋታት Hofladen ወይ ከኣ ኣብ ዕዳጋ ሓረስቶትናይ ቲ ዞባ ሓድሽ ፍርያት ትረኽቡ ።
ናይ ሻፍሃውሰን ሰሙናዊ ዕዳጋ ሰሉስ ካብ ሰኦኣት 7.00 ክሳዕ ሰዓት 11.00 ቀዳም ከኣ ካብ ሰዓት 7.00 -ክሳዕ ሰዓት12.00
መብዛሕትኡ ናይ መንግስቲ ኣብያተ ጽሕፈት፡ ኣብ ከተማ ሻፍሃውሰን ይርከብ። ዝተፈላለያ ናይ ኮምን፡ ካንቶንን፡ ኣብያተ ጽሕፈት ዝተፈላለየ ስርሓት ኣለወን። ብዛባ'ዚ ሓበሬታ ካብ ኮማዊ ምምሕዳርን መርበብ ኢንተርነትን ን ተወከሱ።
ፖስታ ብኣሃዱታት ፖስታ፡ ወካይል ፖስታ ወይ ከኣ ኣብ ንኣሽቱ ኮማት ብቤታዊ ኣገልግሎት ይሰርሕ። ንዝነውሐ ሰዓታት እቲ ኣብ ፊት መደበር ምድሪ ባቡር ዝርከብ ቀንዲ ኣሃዱ ፖስታ ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ሰዓት 7.30 - 18.30፡
ቀዳም ሰዓት 8.00 - 16.00 ኣገልግሎት ይህብ።
ኣብ ሻፍሃውሰን ዝተፈላለያ ዞባውያንን ዓለምለኻውያንን ባንክታት ሓደ ወይ ካብ ሓደ ንላዕሊ ጨንፈራት ኣለወን። ዝኽፈተሉ ሰዓታት ዝተፈላለየ እዩ።
ዝምልከተን ባንክታት እናተሓጎሳ መረድእታ ይክእላ።