ፖለቲካዊ ህይወት

ዴሞክራስያዊ ስርዓት

ናይ ስዊዘርላንድ ዴሞክራሲ ዝተፈላለየ ተኽእሎታት፡ ሓሳብካ ምግላጽን፡ ኣብ ህዝባዊ መነባብሮ ምስታፍን የፍቅድ። ምርካብ ዘግነት ምሉእ ፖለቲካዊ መሰላት ኣብ ካንቶን ሻፍሃውሰንን ኮማትን ናይ ምጥቃም ተኽእሎ ይህበኩም። እቲ እንከላይ ህዝባዊ መሰል ተባሂሉ ዝስመይ ፖለቲካዊ መሰል ትሕዝቶ ናይ ድምጺ ምሃብ፡ ምምራጽ፡ ኣብ መስርሕ ምሕጋግ ሓድሽ ሕጊ ናይ ምብጋስን ምክፋል ኣብ ህዝባዊ ወኸሳን ዘጠቃለለ እዩ። እምበኣር ህዝቢ ርእይቶ ክህብ፡ ቅዋም ክቕይርን (ናይ ተበግሶ መሰል) ወይ እውን ባይቶ ዘመስርሖ ሕጊ ክነጽግን (መሰል ህዝባዊ ወኸሳ) ስልጣን ኣለዎ። ኣብ ስዊዘርላንድ ትርጉም ልዑላውነት፡ ልዑላውነት ህዝቢ እዩ። ፖለቲካዊ መሰላት ኣብ ጽፍሒ ፈደራላዊ ኣካልን፡ ካንቶንን ኮማትን ይትግበር።

ምርጫን ምድማጽን

ፌደራላውያንን፡ ካንቶናውያንን፡ ኮማውያንን ባይቶታት ፈጸምቲ ኣካላት ኣብ ኣርበ– ኣርባዕተ ዓመት ብህዝቢ ይምረጹ። ኣብ ርእሲ ድምጺ ምሃብ ዜጋታት ንንድፊ ነገር ብዝምልተት እውን ድምጾም ንኽህቡ ይሕተቱ ኢዮም። ካብ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ጀሚሩ ህዝባዊ ተኻፋልነት ኣብ ምሃብ ድምጺ፡ ሻፍህውሰን ኣብ ስዊዘርላንድ ዝለዓለ ጸብለልትነት ኣለዎ፡፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ኣብ ሻፍሃውሰን ዜጋታት ድምጾም ክህቡ ዝግደዱ ስለ ዝኾኑ እዮም። ኣብ ድምጺ ምሃብ ዘይተኻፈለ ዜጋ ናይ ሽዱሽተ ፍራንክ መቕጻዕቲ ይኸፍል።

ምምቕቓል ስልጣናት

መንግስቲ ኣብ ሰለስተ ኣካላት ዝተምቕለ እዩ። ባይቶ፡(ሓጋጊ) መንግስቲ (ፈጻሚ) ቤት ፍርዲ (ፈራዲ)። ሓጋጊ ኣካል ሕግታት ይሕንጽጽን የውጽእን፡ንመንግስትን ምምሕዳርን ከኣ ይቆጻጸርን። ፈጻሚ ኣካል ንሕግታት የተግብር፡ ይገዝእን ሃገር የመሓድርን። ፈራዲ ኣካል ይፈርድ፡ ይሰርዕ፡ ይቐጽዕን የድሕንን። ነፍሲ ወከፍ ኣካል ካብ ሓድሕዱ ተፈላልዩ ኣብ ፌደራላዊ፡ ካንቶናውን፡ ኮማውን ጽፍሒ ይርከብ።

ኣብ ፌደራላዊ ጽፍሒ ዘሎ ብባይቶ ዝምረጽ ፌደራላዊ ሽማግለ ስልጣን መንግስቲ ስዊዘርላንድ ዝለበሰ ኣካል እዩ፡፡ ባይቶ ኸኣ ድምር "ሽማግለታት ሃገራዊ ቤት ምኽርን" ኣባላት "ሽማግለታት ላዕለዋይ ቤትን" እዮም። ካንቶን ሻፍሃውሰን ኣብ "ሽማግለታት ሃገራዊ ቤት ምኽርን" ኣባላት "ሽማግለታት ላዕለዋይ ቤትን" ከክልተ ወከልቲ ኣለዉዋ።

ኣባላት ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ብባይቶ ይምረጹ።

ካንቶን ሻፍሃውሰንን ኮማታን ንምምቕቓል ስልጣናት ብዝስዕብ ኣገባብ ሰሪዖም ኣለዉ፡፡

ሓጋጊ ኣካል

ካንቶን፡-ሽማግለ ቤት ምኽሪ ካንቶን ሓጋጊ ኣካል እዩ። እቶም ብድምሮም ስሳ ዝኾኑ ኣባላቱ ከኣ ወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ካንቶንን ፖለቲካውያን ሰልፍታትን እዮም።

ኮም፡- ሽማግለ ኣማኸርቲ ከተማ፡ ሓጋጊ ኣካል ኮም እዩ። ኣብ ከም ራይንፋል፡ Rheinfall ሽታይን ኣም ራይን፡ Stein am Rhein ቤሪንገንን Beringen ታይንገንን Thayngen ሽማግለ ተቐማጦ ናይ ምሕጋግ ስልጣን የመስርሕ። ኣብ ካልኦት ኮማት ከኣ ብጉባኤ ኮም ይምስራሕ።

ፈጻሚ ኣካል

ካንቶን፡- ናይ ካንቶን መንግስቲ ነናቶም ክፍልታት ብዝመርሑ ሓሙሽተ ኣባላት ሽማግለ ባይቶ (Regierungsräte) ይምስረት። ናይ መንግስቲ ኣቦ መንበርነት ከኣ ኣባላት ሽማግለ መንግስቲ ኣብ ዐዓመት እናተበራረዩ ይቃባበልዎ። ፈጻሚ ኣካል ከተማ ሻፍሃውሰን ናይ ከተማ ሽማግለ እዩ። ሽታይን ኣም ራይን Stein am Rhein እውን ሓደ ሽማግለ ከተማ ኣለዋ። ኣብ ካልኦት ዝተረፋ ኩለን ኮማት ስልጣን ናይ ምፍጻም ብሽማግለ ኮም ይቕረብ።

ፍርዳዊ
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ዝለዓለ ቤት ፍርዲ ሻፍሃውሰን እዩ። ተሰካም ጾር ፍሉያት ጉዳያት ፍትሕን፡ ላዕላዋይ ተቖጻጻራይ ካልኦት ናይ ፍትሒ ኣካላት ናይቲ ካንቶንን፡ከኣ እዩ። ካብ ዝቆጻጸረን ኣካላት ቤት ፍርዲ ካንቶን፡ ኣኽፈልቲ ዕዳ፡ ንበተኻት ሰብ ዕዳ ዝምልከቶ ኣካል፡ ናይ ዕርቂ ቤት ፍርዲ ጉዳይ ክራይን፡ሰበ ስልጣን ሓለይቲ ድሕነት ህጻናት ዓበይትን፡ ካልኦት ኣካላትን ይርከብዎም።

ተአኽእሎታት ፖለቲካዊ ተሳትፎ ንወጻእተኛታት

ወጻእተኛታት ዋላ እኳ እውን ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ብቕጥታ ኢዶም ክመልሱ ኣይኽኣሉ እምበር፡ ኣብ መጻኢ ናይ ኮማቶም ጽልዋ ከሕድሩ ዘኽእልዎም ዝተፈላለየ ተኽእሎታት ኣለውዎም፡፡ ወጻእተኛታት ኣብ ናይ ዝነብረሉ ቦታ ማሕበራትን፡ ሞያውያን ውድባትን፡ ናይ ስፖርት ክላባትን፡ ሽማግለ ኣማኸርትን ኣባላትን ኮይኖም ክዋስኡ ይኽእሉ እዮም። ወጻእተኛታት ከም ኩሎም ስዊዘርላንዳውያን መሰል ኣቤቱታ ኣለዎም። ኣቤቱታ ንኹሎም ሰባት ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን፡ ኮማት፡ ካንቶናትን ፈደራላዊ ጽፍሕን፡ ሕቶታት፡ ርእይቶታት፡ ወቐሳታት፡ ይኹን በደለይ ይርኣየለይ ናይ ምባል ድምጾም ከቕርቡ ናይ ምኽኣል መሰል ይህብ።
በዚ ኣገባብ እዚ እውን እቲ ብሰበ ስልጣን ኣካላት መንግስቲ ዝተወስደ ውሳነታት ክጽለው ይኽእል ማለት እዩ።

ምርካብ ዜግነት

ኣብ ስዊዘርላንድ ዜግነት ዝተዋህቦ፡ፖለቲካዊ መሰላት ይረክብ። ኣብ ስዊዘርላንድ ንነዊሕ እዋን ዝተቐመጡ ዜግነት ንኽወሃቦም ከመልክቱ ይኽእሉ። እንተ ሕቶ ዜግነት ብስሉጥ ክወሃብ ከይወሃብ ግና ወሳኒኡ፡ ንውሓት ምቕማጥን፡ ምኽንያት ምቕማጥ ኣብ ስዊዘርላንድን እዮም። ምስ ዜጋታ ስዊዘርላንድ ዝተመረዓዉ ብዝተቓለለ ኣገባብ ምርካብ ዜግነት፡ ምልክትኦም ትኽ ኢሎም ናብ ፈደራላዊ ጽፍሒ፡ ዝተረፉ ካልኦት ግና ኣብ ናይ ዝነብሩሉ ካንቶን ኮም የቕርቡ።

ዜግነት ደልዩ ዘመልክት ዝስዕብ ነጥቢታት ከማልእ ትጽቢት ይግበረሉ።

• ኣብ ኮማውን ካንቶናውን ህይወት ዝተወሃሃደ፡

• ምስ ናይ ስዊዘርላንድ ኣነባብራ፡ ባህልን ልምድን ዝተለማመደ

• ስርዓት ፍትሒ ናይ ስዊዘርላንድ ዘኽብርን፡ ውሽጣውን ግዳማውን ድሕነት ስዊዘርላንድ ዘይጎድእን፡

• እኹል ፍልጠት ቋንቋ ጀርመን ዘለዎ

• ስሩዕ ሰባውን ገንዘባውን ኩነት ዘለዎ

(ዝርዝር መግለጺ ኣብ በርጌሳዊ ሕጊ ካንቶን ሻፍሃውሰን ዓንቀጽ 6)