ኣብ ዞባና ትነብሩን ትሰርሑን፣ ንዞባና ከኣ ክትለማመድዎ ትደልዩን እንተ ደኣ ኰንኩም፣ ኣብ መስርሕ ምውህሃድ ምስ ሃገርናን ዞባናን ብታሕጓስ ንሕግዘኩም። ጉጅለና ኣብ ጉዳያት ዕለታዊ መነባብሮ ወይ ከኣ ኣብ ምምራጽ ድሌትኩም ዘማልእ ናይ ቋንቁ ኮርስ ክሕግዘኩም ይኽእል። ኣብ ካንቶን ብዙሕ ምርጫ ናይ ቀረባት ኮርስ ቋንቋን ምውህሃድን ኣሎ።
ዓይነታት ምኽሪ
• ምኽሪ ብዛዕባ ኮርሳት ቋንቋ ጀርመንን ምውህሃድን
• ደገፍ ኣብ ምምላእ ቀጥዒታት፣ ኣብ ምጽሕሓፋት ምስ ቤት ጽሕፈታት፣ መድሕናትን ወይ ከኣ ትካላት
• ምኽሪ ብዛዕባ ሕቶታት ዕለታዊ ናብራን ናብ ዝምልከቶም ናይ ጉዳያት ቤት ጽሕፈታት ምሕባርን
• ምኽሪ ብዛዕባ ዓሌታውነትን፣ኣድልዎን፣ ሓድሕደባህላዊ ግርጭታትን
• ንሓደስቲ መጻእቲ ናይ ፈለማ ሓበሬታ
ወጻኢታት
ኣገግሎት ምኽሪ ብናጽ እዩ።
ሰዓታት ስራሕ
ብዘይ ቆጸራ ኣብ ዝስዕብ ናይ ስራሕ ሰዓታት።
ሰዓታት ስራሕ:
ሰኑይን ረቡዕን ካብ ሰዓት 9.00 ክሳዕ ሰዓት 11.00 / ሰዓት 14.00 ክሳዕ ሰዓት 17.00
ሰሉስ : ዕጹው
ሓሙስን ዓርብን: ሰዓት 14.00 ክሳዕ ሰዓት 17.00
ኣብ ካብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ወጻኢ ብቖጸራ.
ቦታ
Integres
ክፍሊ ጉዳያት ምውህሃድ ዞባ ሻፍሃውሰን (Integrationsfachstelle für die Region Schaffhausen)
Krebsbachstrasse 61
8200 Schaffhausen
ርክባት
ተሌፎን : 052 624 88 67
ኢመይል: info@integres.ch
Integres ኣብ ሓጋይ ናይ 2006 ከም ናይ ብቕዓት ማእከል ንሕቶታታት ምውህሃድ ንምምላስ ተመስረተት። ክፍሊ ጉዳያት ምውህሃድ (Integrationsfachstelle) ግና ናይ ካብኡ ዝነውሐ ግዜ ተመኩሮ ኣለዋ። ዛጊት ብ 1972 ብሰፊሕ ምትእስሳር ናይ ሲቪካዊ ማሕበራት፣ ምጣነ ሃብትን፣ ፖለቲካን Schaffhauser Kontaktstelle Schweizer-Ausländer ተመስረተት። ዕላምኣ ምውህሃድ ወጻእተኛታት ንምድጋፍን ባህላዊ ምልውዋጣት ንምብርትታዕን ነበረ። Kontaktstelle ኣብቲ ዝሰዓበ ዓመታት ኣብ መንጎ ወጻእተኛታትን ሓዳስ ዓዶምን ምርኻብ ሓንቲ ካብቶም ኣገደስቲ ረቛሒታት ኮነት። እቲ ሓገዝ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ዕለታዊ ናብራ ዝተተሓሓዘ እዩ ዝነበረ። ኣብዚ እቶም ደለይቲ ምኽሪ ናይ ቤት ጽሕፈታት ቀጥዒታት ኣብ ምምላእን፣ ምስ ሓኪም ቆጸራ ኣብ ምግባርን ደገፋት ይረኽቡ ነበሩ። ሎሚ Integres ከም ቀደም ኣገልግሎት ምኽሪ ትህብ እያ፣ብቐዳምነት ግን ከም መነሃርያ ርክባት (Drehscheibe) ኮይና ብቕርጻን ብጽንሰ ሓሳባን ንዕዉት ምውህሃድ ትነጥፍ።