ምምጻእን ምቅማጥን

ስርዓት ምፍቃድ ምቕማጥ

ኣብ ስዊዘርላንድ ምቕማጥ ብዝተፈላለየ ኣፈቓቕዳ ይትግበር።

እተን ኣገደስቲ፡ ሓጺር ናይ መቐመጢ ፍቓድ (እንተ ወሓደ ንሓደ ዓመት)፣Aufenthaltsbewilligung(ንውሱንግዜ) Niederlassungsbewilligung (ንዘይተወሰነ ግዜ) ቅድመ ኩነት ናይ ምሃብ ፍቓድ መቐመጥን ኣብ ምኽንያት ምሃብ፣ ዜግነትን ዝተመርኮሰ

እዩ።

ምኽንያት ፍልልይ ከኣ መበቆል እቲ ሰብ ካብ ሃገራት EU-/EFTA-Land ምዃኑን ዘይምዃኑን እዩ።

መመልከቲ ብተቖጻጸርቲ ተቐማጦ ናይ ኮምኩም ይምስራሕ።

ዋላውን ዛጊት ኣብ ካልእ ኮም ናይ ሻፍሃውሰን ተቐማጢ እንተ ነበርኩም፡ ባዕልኹም ኣብ ቅድሚ ተቖጻጸርቲ ተቐማጦ (Einwohnerkontrolle ) ቀሪብኩም ኣመልክቱ።

ኣገደስቲ ናይ ወጻእተኛታታ ወረቐታት መንነት እዞም ዝስዕቡ እዮም

መንነት B ተቐማጢ፡ ተቐማጢት
መንንነት C: ነባሪ፡ ነባሪት
መንነት L መጽንሒ ሓጺር ግዜ
መንነት G፡ መስገር ዶብ
መንነት N ፡ ሓታቲ ፖለቲካዊ ዑቕባ
መንነት F: ግዝያዊ እታው ሓድሽ ወጻእተኛ
መንነት S፡ ጸግዒ ዘድልዮ ሰብ

ፍልሰትን ቤት ጽሕፈት ዶባዊ ምእታውን ምውጻእን

ቤት ጽሕፈት ፍልሰትን ዶባዊ ምእታውን ምውጻእን ናይ ካንቶን ሻፍሃውሰን ናይ ምምሕዳር ምሕጋግ ፌደራላዊ ጉዳያት ወጻእተኛታት ተጸዋዒ እዩ። ። ሓበሬታታት ንኣብነት ብዛዕባ ናብ ሃገር ምእታው፣ ምውሃብ ፍቓድ መቐመጢ፣ ምጽንባር ቤተ ሰብ ዝምልከት ጉዳያት ይውድእ።

ቤተ ሰብ ኣስዒብካ ምምጻእ

ናይ EU/EFTA ዜጋታት ዓይነት ፍቓድ መንበሪኦም ብዘየገድስ ቤተ ሰቦም ከስዕቡ ይኽእሉ። ቤተ ሰብ ተባሂሎም ዝፍለጡ፡ ሰብ ኪዳን፡ ወለድን፡ ናይ መበል 21 ዓመት ዕድሚኦም ዘየማልኡ ወይውን ሓላፍነት መነባበሪኦም ዝውሰደሎም ቆልዑን የጠቓልል። ካብ EU/EFTA ወጻኢ ንዝኾኑ ሰባት ሕጊ እናተመላኸተ ቅድመ ኩነታት ምስ ኣባላት ቁጽጽር ተቐማጦ ናይ ኮማት ኣባላት ቤተሰብ ኣስዒብካ ናይ ምምጻእ መመልከቲ (ሰብ ኪዳንን ዘይምርዕዋት ትሕቲ 18 ዝዕድሚኦም ቆልዑን ) ከቐርቡ ይኽእሉ። ክስትውዓል ዝግባእ ናይ ቤተ ሰብ ኣስዒብካ ምምጻእ ምልክታ ኣብ ውሽጢ ዝተዋህበ ናይ ቆጸራ ሓጹር ግዜ ክቐርብ ከም ዘለዎ እዩ።
ደቂቕ መግለጽን፡ ክምላእ ዝግብኦ ቀጥዒታትን (ፎርምታትን) ካብ ናይ ካንቶን ቤት ጽሕፈት ፍልሰት (ሚግራሽን) ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ናይ ፈለማ ሓበሬታ

ንናብ ካንቶን ዝመጽኡ ሓደስቲ ሰባት ብዛዕባ ናብራን ስራሕን ኣብ ስዊዘርላንድን ካንቶን ሻፍሃውሰንን ሓበሬታን ምኽርን ይወሃቦም። ኣብ ምምዝጋብ ሓደስቲ መጻእቲ ተቖጻጸሪ ነበርቲ ኣብ ናይ ተቐምጥቲ ኮም ንተመዝገብቲ ናይ ሓበሬታ ወረቓቕቲ ብምሃብ ቀዳማይ ኣንፈት ዝህብ ሓበሬታ የቕርቡሎም። ብተወሳኺ ብናጻ ዝወሃብ ናይ ምኽሪ ዝርርብ ናይ ክፍሊ ምውህሃድ ኢንተግረስ (Integrationsfachstelle Integres) ቀረብ‘ውን ኣሎ።