ስዊዘርላንድ ከምኡ እውን ካንቶን ሻፍሃውሰን ንሓርነትን ፡መሰላትን ግቡኣትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ የኽብራ። መሰረት ናይ ጽቡቕ ሓባራዊ ህይወት ናይ ሓድሕድ ምክብባርን፡ ምጽማምን ምኽባር ማሕበራዊ ህይወት መሰረታዊ ክብረታትን እዩ። መሰረታውያን መሰላት ኣብ ፈደራላዊ ቅዋምን፡ ቅዋም ካንቶንን ተገሊጾም ኣለዉ። እዚ መሰላት እዚ ንኹሎም ነበርቲ ስዊዘርላንድ እንከላይ ንወጻእተኛታት ብሓባር ይብጽሖም።
ማዕርነት መሰላት
ጾትኡ፡ ወይ እውን ዕድሚኡ ብዘየገድስ፡ ኣየናይ መበቆል፡ ዓሌት፡ ቋንቋ፡ እምነት፡ ማሕበረሰባዊ ቦታ፡ርእይቶ ዓለም፡ ኣነባብራ ይሃልዎ፣ ወይ ስንክልና ይሃልዎ ብዘየግድስ፡መንግስቲ ንኹሎም ሰባት ብማዕርነት ከናብሮም ይግባእ፡ ስለዚ ከኣ ንዝኾነ ሰብ መሰላቱ ክጎድሎ ኣይግባእን።
ናይ መሰል ማዕርነት
ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ቤተ ሰብ፡ ትምህርትን፡ ስራሕን ማዕረ መሰል ኣለዎም።
ሰብኡትን ኣንስትን ንማዕረ ሰራሕ ናይ ማዕረ ደሞዝ ምርካብ መሰል ኣለዎም።
መሰል ህይወትን ውልቃዊ ሓርነትን
ኩሉ ሰብ ብህይወት ናይ ምንባር መሰል ኣለዎ። ናይ ሞት መቕጻዕቲ ክልኩል እዩ። ኩሎም ሰባት ናይ ውልቃዊ ሓርነት መሰል ኣለዎም። እዚ ኸኣ ብዋላ ሓደ እኳ ክትንከይ ኣይግባእን፡ ኩሎም ሰባት ከኣ ብናጻ ክንቀሳቐሱ መሰል ኣለዎም ማለት እዩ።
መሰል ምትካል ሓዳር
ናይ መበል 18 ዓመት ዕድሚኡ ዝመልአ ዘበለ ኩሉ ክምርዓው መሰል ኣለዎ።
መሰል እምነት
ኩሉ ሰብ እምነቱ ብናጻ ክመርጽ ይኽእል። ዝኾነ ሰብ ኣባል ገለ እምነት ክኸውን፡ ወይ ናብ ገለ ማሕበር እምነት ክወጽእ ክግደድ ኣይግባእን።
ናይ ማሕበረሰበ-ሕጋዊ ተፈላጥነት ዘለወን ሃይማኖታውያን ማሕበራት
ኣብ ካንቶን ሻፍሃውሰን ናይ ማሕበረሰበ-ሕጋዊ ተፈላጥነት ዘለወን ሰለስተ ሃይማኖታውያን ማሕበራት ኣለዋ።
ንሳተን ከኣ ወንጌላዊት -ተሓድሶን (Evangelisch-reformierte)፣ ሮማዊት ካቶሊካዊትን (römisch-katholisch) ክርስትያን-ካቶሊካዊት ሃገረ ቤተ ክርድትያንን (christkatholische Landeskirche) እየን።. ማሕበረሰበ-ሕጋዊ ተፈላጥነት ከም ግብሪ ቤተ ክርስትያን ዝኣመሰሉ መሰላት የውህቡ። ብኻልእ ወገን፣ እቲ ተፈላጥነት ምስ ምፍላጥ ናይ እምነት ናጽነት፣ምኽባር መሰል ሰቂ ሰብን፣ ምጣነ ሃብታዊ ግሉጽነትን ዝተተሓሓዘ እዩ።
ናይ ሃይማኖት ማሕበራት ኣብ ሻፍሃውሰን፡
ኣብ ጎኒ እተን ሰለስተ ናይ ሃገር ሃይማኖታት ካልኦት ብዙሓት ናይ ሃይማኖት ማሕበራት‘ውን ኣለዋ፡ ካብኣተን ኣይሁዳውያን፣ ሙስሊማውያን፣ ቡድሂስታውያን ማሕበራት ይርከብአን፣ ካብ 2006 ጀሚረን ናይ ባሃይን ካልኦት ወከልቲ ዝተፈላለያ ማሕበራት ናይ ዝተፈላለያ እምነታትን ንሓድሕዳዊ ዝርርብ እምነትን፣ ኣብ ናይ ሻፍሃውስውን Arbeitskreis Christlicher Kirchen ብስሩዕ ይራኸባ።
ናይ ርእይቶ ሓርነት
ኩሉ ሰብ ብናጻ ክሓስብን፡ ሓሳቡ ኸኣ ሕጊ ብዘፍቅዶ መገዲ ገክገልጽን ይኽእል።
እዚ መሰላት እዚ ኣብ ገለ ኩነታት ብመንግስቲ ክድረት ይኽእል ነቲ ምድራት ግን ሕጋዊ መሰረት የድልዮ።
ውልቃዊ መሰላትኩም ዝተጋህሰ እንተ መሰለኩም ከከም ሕቶኹም ምኽርን ናይ ሕጋዊ ደገፍን ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ሓላፍነታት፡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን፡ ግዴታ ምድማጽን
ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ጎኒ መሰረታዊ መሰላት፡ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝምልከቱ ግቡኣት እውን ኣለዉ። ኣብ ስዊዘላንድ ኣብ ርእሲ ህዝባዊ ሰራዊት ግዴታ ናይ ሓፈሻዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት እውን ኣሎ፣ እዚ ግዴታ እዚ እዚ ኸኣ ንኹሎም ደቂ ተባዕትዩ ስዊዘርላንድ ይምልከት።፡
ኣብ ካንቶን ሻፍሃውሰን፡ሓደ ዝተፈልየ ግዴታ እውን ኣሎ። ኣብ ሻፍሃውሰን ኩሎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዜጋታት ኣብ ምርጫን ምውሳንን ናይ ምድማጽ ግዴታ ኣለዎም።