ዞባ ሻፍሃውሰን

ርእሱ ዝኸኣለ ዞባ

ተቐማጣይ ሻፍሃውሰን፡ ነቲ ሕልኽልኽ ዘይብሉ መነባብሮን፡ ልዑል ደረጃ ህይወትን ጽቡቕ መንበሪ ኣባይትን፡ ኣብ ቀረባ፡ ኣብ ኣፍ ቤት ዝርከብ ናይ መናፈሲ ቦታታትን፡ ምዕቡል ባህልን፡ ቀረባት ምውስዋስ ኣካላትን ይሕበነሉ።

ሻፍሃውሰን ኣብ ሰሜናዊ ጥርዚ ስዊዘርላንድ ብምርካባ ምስ ጀርመን ኣግፊሓ ትዳወብ። 82% ካብቲ 185 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ዶባ ንጀርመን ንኣውራጃ ባደን- ቭዩርተምበርግ (Baden-Württemberg) ይትንክይ። ነታ ካንቶን 1740 ዝኣኽሉ ኣእማን ዶብ ከቢቦማ ይርከቡ። ስለዚ ኸኣ ሰበ ስልጣን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ምስ ጎረባብቲ ካንቶናት ጥራሕ ዘይኮነ፡ እንከላይ ምስ ጎረቤት ጀርመን እውን ሃነጽቲ ርክባት የካይዱ።

እዛ ካንቶን ኩለን ብወገን ሰሜን ራይን (Rhein) ዝርከባ ኣብ ሰለስተ ርእሰን ዝኸኣላ ቦታታት ትምቀል። እቲ ቀንዲ ክፋል ካብ መዕጸፊ ራይን ኣብ ሻፍሃውሰንን፡ ኖይሃውሰንን (Neuhausen) ካብ ራይንፋል ክሌትጋው ጀሚሩ ክሳብ ምድሪ ራንደንን (Reiat) በረኽቲ ጽፍሒታት ረያትን ይዝርጋሕ። ኣብ ምብራቕ ከኣ ሽታይነር ዚፕፈል (Steiner Zipfel) ኣብቲ ኡንተርሰ (Unterse) ዝፈሰሉ ቦታ ትርከብ። ኣብ ጫፍ ምዕራባዊ ደቡብ ታሕታይ ክፍሊ ናይዛ ካንቶን እተን ክልተ ኣቑሻት፡ ቡኽበርግን፡ (Buchberg) ርዩድሊንገንን (Rüdlingen) ይርከባ።

ምድሪ ሻፍሃውሰን ኣብ ጫፍ ማእከላይ መሬት ናይ ስዊዘርላንድ ይርከብ።

ኣብኡ እቶም ልሙጻት ኮረቢትን፡ ሕሉማትን ኣብ ጫፍ ዩራ (Jura) ይርከቡ፡ ብንጹር ከኣ ኣሰር ብሕጓጔ ናይ መወዳእታ ዘመን በረድ ይርኣዮም። እቲ ገጸ ምድሪ ዝተፈላለየ ትርኢታት ኣለዎ፡ ሩባ ራይን ዝውሕዞ ገጸ ምድሪ፡ ዓበይቲ ጫካታት፡ ሰፋሕቲ መሬት ሕርሻን፡ ብጥንቃቐ ዝተታሕዘ ናይ በረኽቲ ቦታት ተኽሊ ወይንን ይርከቦ።

ስፍሓት ናይዛ ካንቶን 298 ትርብዒት ሜተር ኢዩ። እዚ ከኣ 0,7%

ካብ ድምር ስፍሓት ምሉእ መሬት ስዊዘርላንድ ማለት እዩ።

ልዕሊ 84.000 ኣቢሎም ዝበጽሑ ተቐማጦ ኣብ 26 ኮማት ናይዛ ካንቶን ይነብሩ። እምበኣር እዛ 1% ካብ ድምር ተቐማጦ ስዊዘርላድ ዝነብሩላ ሻፍሃውሰን፡ ሓንቲ ካብተን ዝነኣሳ ካንቶናት ስዊዘርላንድ እያ።

ናይ ካንቶን ሳፍሃኡሰንንስይ ሓበሬታ መርበብ ናይ ኢንተርነት ኣፍደገ ኩለን ኮማት ሻፍሃውሰን ኣብ ሓደ መስርዕ።

  • Bargen
  • Beggingen
  • Beringen
  • Buch
  • Buchberg
  • Büttenhardt
  • Dörflingen
  • Gächlingen
  • Hallau
  • Hemishofen
  • Lohn
  • Löhningen
  • Merishausen
  • Neuhausen am Rheinfall
  • Neunkirch
  • Oberhallau
  • Ramsen
  • Rüdlingen
  • Schaffhausen
  • Schleitheim
  • Siblingen
  • Stein am Rhein
  • Stetten
  • Thayngen
  • Trasadingen
  • Wilchingen

ዛንታ

እዚ ናይ ሕጂ መልክዕ ሻፍሃውሰን ኣብ ፈለማ ማከላይ ዘመን ብኣለማናውያን ዝተመስረተ ኢዩ። ዳርጋ ኣብ ምሉእ መሬት እዛ ካንቶን እዚኣ ናይ ሻብዓይ ዘመን ዑናታት ኣለማናውያን ተዘርጊሑ ይርከብ። እተን ኣዝየን ዘገድሳ ብዘበን ሮማውያን ዝተተኽላ ዓድታት ሽላይትሃይምን (Schleitheim) ሽታይንን ኣም ራይንን(Stein am Rhein) ኣብ ጥቓ ራይን ይርከባ።

ብድሕሪ 1000 ዓመት ምሕረት እዛ ቅድሚ ሕጂ ሃብታ ኣብ ሕርሻዊ ማእቶት ዝተመርኮሰ ካንቶን ሓያል ዕብየት ተርእይ ኣላ። እንተ ደንጎየ ኣብ መበል 11 ክፍለ ዘመን ኣገዳስነት ራይን እናረዘነ ከደ። ምልቃሕ

ባጤራን፡ምጥቃም መሰል ዕዳጋን ናይተን ኣብ ጸግዒ ራይን ዝርከባ ሻፍሃውሰንን ሽታይንን፡ ብፍላይ ከኣ ንሁር ዕቤት ሻፍሃውሰን ውጽኢት ናይቲ እናማዕበለ ዝኸደ ምውፋር ኣብ ዕዮታት ንግድ እዩ። ነቶም ብራይንፋል ኣቋሪጾም ንዝሓልፉ ኣገደስቲ መስመራት ጉዕዞ ማይ፡ ተቐማጦ ሻፍሃውሰን ኣገልግሎት ምጽዓንን ምርጋፍን ብምሃብን፡ ናይ ስግር ዶብ ቀረጽ ብምቕራጽን ረብሑሎም። ብመሰል ዋንነት ናይተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ኣቑሻት ብምጥቃም ከኣ ምምስራት ሓያል ልዑላዊት ከተማ ተጀመረ። ኣብ ማእከላይ ዘመን ሓያላት መንግስታት ንሻፍሃውሰን ንምቁጽጻራ ይሰሓሓባ ነበራ። ብ1501 ሻፍሃውሰን ኣብ ፈደራላዊ ኪዳን ተጸምበረት፡ ድሕነት ሰሜናዊ ዶብ ክትሕልው እውን ሓላፍነት ወሰደት። ክሳብ ሕጂ ከም መፈለጥታ ናይታ ከተማ ኮይኖም ዝርኣዩ ከም ዕርዲ ሙኖት (Festung Munot) ዝኣመሰሉ ህንጻታት ከኣ ሽዑ ብወፈራ ተሃንጹ።

ምጅማር ዴሞክራሲ

ክሳዕ መወዳእታ ናይ 18 ክፍለ ዘመን ወካይል ናይ ከተማ ማሕበራት ሞያ ብዘይ ቀጥዕን እድንን ንወፋሮ ገጠራት ገዝእዎም። ድሕሪ ሰውራ ፈረንሳ ግና ተቐማጦ ገጠር ከም ተቐማጦ ከተማ ማዕረ መሰላት ይግብኣና ኢሎም ተለዓሉ። ካንቶንን፡ ከተማ ሻፍሃውሰንን 35 ርእሰን ዝኸኣላ ኮማትን ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ተመስረታ።

ክሳዕ መፈለምታ 19 ክፍለ ዘመን ተቐማጦ ሻፍሃውሰን ብመሰረቱ ካብ ዕዮ ሕርሻን፡ ኢደ ስራሕን፡ ንግድን እዮም ዝናበሩ ዝነበሩ። እዚ ግና ምስቲ ኣብ ምጣነ ሃብቲ መሰረታዊ ለውጢ ዘምጽአ ምትእትታው ኢንዱስትሪ ተቐየረ።

ኣብ 19 ን 20 ን ክፍለ ዘመን ሻፍሃውሰን ናብ ስሙያት ትካላት ዝርከብዋ ኣገዳሲት ቦታ ኢንዱስትሪ ተቐየረት።

ምጣነ ሃብታዊ ዕብየታት

ኣብ 1950ታትን 1960ታትን እቲ ዞባ ካብ ሓፈሻዊ ምጣነ ሃብታዊ ምዕባለ ከሲቡ እዩ።

ናይ ቀደም ትካላት ከም eorg Fischer, SIG, IVF ን ካልኦትን ዓምበቡ። ኣብ ርእሲኦም እውን ካልኦት ተወሰኽዎም። ሽቕለት ኣልቦነት ዳርጋ ኣይነበረን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ሰራሕተኛ ውሒዶም ካብ ወጻኢ ሽዑ ብፍላይ ካብ እጣልያ ተጠልቡ።

ቅልውላው ናይ 1990ታት መሰረታዊ ምጉዳል ናይ ኢንዱስትሪ ቦታታት ስራሕ ኣስዓበ። ሻፍሃውሰን ጽፍሒ ምጣነ ሃብታ ከተርሕብን ሓድሽ ኣረኣእያ ክትገብርን ተገደደት። ብምትእትታው ሓደስቲ ትካላትን ውሽጣዊ ምቅይያር ህልዋት ትካላትን ኣገዳስነት ናይ ጨንፈር ኣገልግሎታዊ ስራሓት እናሓየለ መጸ። ንዓለምለኻውያን ተዋሳእቲ ሰብ ዋኒን ዞባ ሻፍሃውሰን ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድራት ብቕዓቱ ዘመስከረ ሰሓብን ወናኒ ምሕዳሳትን ዝኾነ ምጣነ ሃብታዊ ቦታ እዩ።

ድሕሪ ምዝሕታል ቁጽሪ ናይ ህዝቢ ናይ 1990ታት ካብ ገለ ዓመታት ጀሚሩ ቁጽሪ ህዝቢ ክውስኽ ጀመረ ። ሓደስቲ ሰፋሮ ካብ ወጻኢ፣ብዙሓት ካብ ጎረቤት ጀርመን ከምኡ‘ውን ካብ ምሉእ ዓለም ክመጽኡ ጀሚሮም ኣለዉ።