ብዙሕ ዝገጻታ ስዊዘርላንድ

ኣመቓቅላ ስዊዘርላንድ

ስዊዘርላንድ ንእሽቶ፣ ድምር ናይ ኣርባዕተ ቋንቋታት ዝዝረበሉ ዞባታት ሃገር

እያ። ኣብዘን ዞባታት ኣርባዕተ ወግዓውያን ቋንቋታት፡ ጀርመንኛ፡ ፈረንሳይኛ፡ ጣልያነኛን ሬቶሮማማውያንን ይዝረብ።

ኣብተን ዝተፈላለያ ዞባታት፣ ብመጠኑ ዝፈላለይ ቅዲ ናብራ እውን ኣሎ።

ስዊዘርላንድ ብዓልየተ መበቆል ይኹን ብሃይማኖት ኣሃዱነት ዘይብላ ናይ ስምምዕ ሃገር እያ።

ሃገራዊ ኣቀራርጻ ስዊዘርላንድ ፌደራላውን ኣብ ሰለስተ ጽላት ፖለቲካ ማለት፡ ፈደራላዊ ጥምረት፡ ካንቶናትን፣ ኮማትን ይምቀል። ፈደራላዊ ቅዋም እምነ መሰረታዊ ሕገ ስርዓት እዩ። ነቲ ቀንዲ መሰረት ሕጊ ናይ ሓባራዊ መነባብሮ ኸኣ መስርዕ የትሕዝ። ምቕቅል ዕዮታት ኣብ መንጎ ፌደራላዊ ጽፍሕን ካንቶናትን ዘሎ ስልጣናትን ተጸዋዕነት ሰብ ስላጣናትን ከኣ የነጽር፡

ፈደራላዊ ምምሕዳር

ፈደራል መስመዪ ናይ ሃገራዊ መንግስቲ እዩ። እቲ ካልእ ዝውቱር መጸዊዒኣ ኸኣ ኮንፈደረሽን እዩ።
ፈደራላዊ ምምሕዳር ኣብ ኩሉ ፈደራላዊ ቅዋም ዘፍቀደሉ ጉዳያት ዘበለ ኢዱ ይመልስ። ንኣብነት ኣብ ምሕጋግ፡ ናይ ጉዳይ ወጻእን ድሕነት ፖለቲካን ወይ እውን ኣብ ናይ ስግር ዶብ ቀረጽ ምቕራጽን፡ ጉዳይ ገንዘብን። ብንጹር ኣብ ትሕቲ ፈደራላዊ ስልጣን ዘይምደቡ ጉዳያት ኣብ ትሕቲ ሓላፍነት ካንቶናት ይስርዑ።

ካንቶናት

ስዊዘርላንድ ብድምር ካብ 26 ካንቶናት ዝቖመት ሃገር እያ። ካንቶናት ወይ ከኣ ብዝውቱር ኣበሃህላ ሽቴንደ (Stände) ተባሂለን ዝስመያ፡ እተን ቀደም ልዑላውያን ሃገራት ዝነበራ፡ ካብ 1848 ጀሚረን ግና ብፌደራላዊ ጥምረት ዝሓበራ እየን። ነፍሲ ወከፍ ካንቶን ናይ ገዛእ ርእሳ ቅዋም፡ መንግስትን፡ ባይቶን፡ ቤት ፍርድታትን ኣለዉዋ።
መንግስትን ቤት ፍርድታትን

ኮማት

ከም ኩለን ካንቶናት፡ ካንቶን ሻፍሃውሰን እውን ኣብ ኮማት ዝተኸፋፈለት እያ።ዳርጋ ሓደ ሕምሲት ኣቢለን ዝኾና ካብተን ኮማት ናይ ገዛኣ ርእሰን ባይቶ ኣለወን። ኣብዚ ህዝቢ ኣብ ኣገደስቲ ጉዳያት ጥራሕ ብመገዲ ፍቓዳዊ ወይ ኣገዳዲ ህዝባዊ ሓተታ ወይ ረፈረንዱም ኣቢሉ ትኽ ብትኽ የድምጽ። ኣርባዕተ ሕምሲት ኮማት ሻፍሃውሰን ብቀጥታዊ ኣገባብ ዲሞክራሲ ይዓይያ። ውሳኔታት ከኣ ኣብ ኮማት ይውሰዱ። ኮማት ንፌደራላዊ ምምሕዳር ካንቶናት ወኪለን ህዝቢ ይምዝግባ። ኣብ ማሕበራውን፡ ቤት ትምህርታውን፡ ቀረብ ጸዓትን፡ ምስራሕ ጽርግያታትን፡ ናይ ቦታታት ንድፍታት፡ ምድላውን፡ ኮማዊ ቀረጽ ዝምልከት ጉዳያት ከኣ ይውስና። ደረት ስልጣን ናይ ኮማት ብካንቶናት ይውስንኦ፡ ስለዚ ኸኣ ዝተፈላለየ እዩ።