መርሓባ

ናብ ካንቶን ሻፍሃውሰን እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም!

ናብዚ ንሓድሽ ነገራት ቅሩብን፣ ምስ ባህሊ ዝተኣሳሰረን ካንቶንና ስለ ዝመጻእኩም ንሕጎስ።

ካንቶን ሻፍሃውሰን፣ ማራኺ ናይ ናብራን ስራሕን ቀረባት፣ ምስ ጎረባብቲ ካንቶናት ቱርጋውን (Thurgau) ዝዩሪክን( Zürich) መዳውብቲ ቦታታት ሃገረ ጀርምርንን ከኣ ብሉጽ ናይ መጉዓዝያ መራኸቢታትን ዝምድናታትን ኣለዎ።

እቲ ዘይተተንከፈ ባህርያዊ መሬትን፣ ኣብ ቀረባኹም ትረኽብዎ መዘናግዒ ቦታ ሩባ ራይንን፣( Rhein) ኣግራብ ተኽሊ ወይኒ ክለትጋውን ምስ ቤተ ሰብኩምን ከም ትሕጎሱሉ ርግጸኛታት ኢና።

ዓለም ሓንቲ ምዃናን፣ ዘጋጥሙ ዘለዉ ከባብያዊ ለውጢታትን ከም ማሕበረሰብ መጠን ዓበይቲ ብድሆታት ይኾኑና። ሓድሕዳዊ ምክብባር፣ ምጽማምን፣ ንኻልኦት ብግርህና ምቕባልን ኣገደስቲ መሰረታውያን ክብረታትን ንናይ

ተቐባልነት ጋሻ ባህሊ ካንቶን ሻፍሃውሰን ከኣ ኣገደስቲ ኣበርክቶታትን እዮም።

ኣብ ማሕበረሰባዊ ህይወት፡ ባህላዊ ምርኢታትን ትምህርታዊ ቀረባትን ተኻፈሉ።

ኣብ መንጎ ደቂ ዓድን ሓደስቲ መጻእትን ኣብ ዝግበር ንጡፍን ዉዕዉዕን ርክባት ምክፋል፣ ከም ሰብ ዓዲ መሲልኩም ምስ ደቂ ዓዲ ናይ ምሕዋስ ስምዒት ይህበኩም።

እዚ ጥራዝ‘ዚ ሓበሬታ ብዛዕባ ሓድሽ ትቕመጡሉ ካንቶንኩም ንኽትእክቡን፣ ንሓድሽ ዓድኹም ክትለማመዱን ይሕግዘኩም።

ኣብ ምልላይኩም ምስ ካንቶን ሻፍሃውሰን ታሕጓስ እናተመነይኩልኩም፣ ብስም ኣባላት ባይቶ መንግስቲ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም እብለኩም።

ቫልተር ፎገልሳንገር፣ ናይ መንግስቲ ኣባል ሽማግለ (Walter Vogelsanger, Regierungsrat)